ሎሚ መዓልቲ ኣብ መቐለ ክልተ ሰባት ብኮሮናቫይረስ ሞይቶም

ኣብ መቐለ ዝርከብ ማእከል ሕክምና ኮሮናቫይረስ
Published

ኣብ መቐለ፡ ሕክምናዊ ክንክን ክግበረሎም ዝጸንሑ ክልተ ሰባት በቲ ኮሮናቫይረስ ከም ዝሞቱ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ክልል ትግራይ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዘውጸኦ መዓልታዊ ጸብጻብ ሓቢሩ።

እቲ ሓደ ኣብ ማእከል መሐከሚ መቐለ ኣብ ክትትል ጽኑዕ ሕክምና ዝነበረ ወዲ 58 እንትኸውን፡ እቲ ካልኣይ ድማ፡ ኣብ መባእታዊ ሆስፒታል 11 ለካቲት ዓዲ ሓቂ ብምርመራ ኣስከሬን ዝተረኽበ ወዲ 42፡ ምዃኖም እቲ መግለጺ የብርህ።

ዛጊድ ብሓፈሻ፡ ኣብቲ ክልል ዓርባዕተ ሰባት ብሰንኪ እቲ ለበዳ ህይወቶም ስኢኖም።

ከምኡ ድማ፡ ኣብቲ ክልል ብሓፈሻ 8 ወገናት ካብ ማእኸላት መሐከሚ ኮሮና ቫይረስ ድሒኖም ናብ ገዘኦም ተፋንኦም ከምዘለው እቲ መግለጺ ወሲኹ ሓቢሩ።

ብሓፈሻ ዛጊድ ኣብ ትግራይ፡ 23,359 ምርመራ ኮሮናቫይረረስ ዝተገብረ ክኸውን እንከሎ፡ 841 ሰባት እቲ ቫይረስ ተረኺብዎም።

ካብኣቶም፡ 342 ኣብ ማእከል መሓከሚ እንትርከቡ፡ እቶም 8 ኣብ ጽኑዕ ክትትል ሕክምና ዝርከቡ እዮም።

ክሳብ ሕጂ፡ 497 ሰባት ካብ ኮሮናቫይረስ ድሒኖም ናብ ገዝኦም ከምዝተፋነው ይግለጽ።

ኮሮና