ኣብ ኢትዮጵያ ብኮሮናቫይረስ ናይ ዝሞቱ ሰባት ብዝሒ 209 በጺሑ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
Published
ኣብ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ናይ ዝሞቱ ሰባት ብዝሒ ልዕሊ ክልተ ምኢቲ ከምዝበጽሐ ተገሊጹ።
ዛጊድ፡ ኣብ’ታ ሃገር ምስ ኮሮናቫይረስ ብዝተተሓሓዘ፡ 209 ሰባት ሞይቶም እዮም።
ካብ’ዚ ገሊኡ፡ ኣብ ሬሳ ብዝተገበረ ምርመራታት እዩ ተፈሊጡ።
ትማሊ ቀዳም ሚኒስትሪ ጥዕና ናይ’ታ ሃገር ዘውጸኦ መግለጺ ከምዘርእዮ፡ 8,490 ምርመራታት ተገይሩ ካብዚኦም እቶም 555 እቲ ቫይረስ ተረኺብዎም እዩ።
ኣብ’ቲ ዕለት ከምዝተገለጸ ድማ፡ ኣብ ሕክምና ካብ ዝጸንሑ ሰባት ተወሰኽቲ 181 ሓውዮም።
ኣብ ኢትዮጵያ፡ ክሳብ ሕዚ 372,812 ምርመራታት ተገይሩ። 13,248 ሰባት ድማ እቲ ቫይረስ ተረኺብዎም።
ብዝሒ ዛጊት ዝሓወዩ ሰባት ድማ 5,966 እዩ።
ብደረጃ ዓለም ንዘሎ ኩነታት ክንርእይ እንከለና ድማ፡ ብዝሒ በዚ ቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ካብ 16 ሚልዮን ሓሊፉ’ሎ።
ኣብ ዓለምና፡ ብዝሒ ብኮቪድ-19 ዝሞቱ ሰባት ድማ 644,661 ኮይኑ’ሎ።
ብብዝሒ ዝተለኸፉ ሰባት ቅድሚት ተሰሪዐን ዝርከባ ሃገራት፡ ኣመሪካ፡ ብራዚልን ህንድን እየን።
ብብዝሒ ምውታት ድማ ኣመሪካ ብራዚልን ብሪጣንያን ኣብ ቅድሚት ኣለዋ።







![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
