ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ቤተ ክርስትያን ሓሙሽተ ሰባት ተቐቲሎም

ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ቤተ ክርስትያን

ምንጪ ስእሊ, SAPS

Published

ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ሓንቲ ቤተ ክርስትያን ጴንጤ ቆስጤ ብዝተፈጥረ ዘይምርድዳእ ሓሙሽተ ሰባት ተቐቲሎም።

እቶም ቀተልቲ ካብ ደገ መጺኦም መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ፡ ኣብ መንጎ መራሕቲ ሃይማኖት እታ ቤተ ክርስትያን ብዝተፈጥረ ዘይምርድዳእ እዩ ተባሂሉ።

ፖሊስ እታ ሃገር፡ ምስቲ ኣብዛ ኣብ ወሰን ከተማ ጆሃንስበርግ እትርከብ ቤተ ክርስትያን ዝተፈጥረ ፍጻመ ብዝዛመድ፡ ተዓጊቶም ዝነበሩ ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ዝርከብዎም ሰባት ነጻ ከምዘውጸአ ይዛረብ።

ወሲኹ ድማ፡ ልዕሊ 40 ተጠርጠርትን ብርክት ዝበለ ኣጽዋርን ድማ ኣብ ቀይዲ ኣእትየ ኢሉ፡ ፖሊስ።

እቲ ኣብ'ዛ ዓለምለኻዊት ጴንጤ ቆስጣል ቤተክርስትያን ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ካብ ተመሳሳሊ እምነት ዘለዎምን ካብታ ቤት ቤተ ክርስትያን ብዝተፈንጨሉን ጉጅለ ዝተፈጸመ ምዃኑ ‘ውን ተገሊጹ።

ዓብዪ መራሒ እታ ቤት ክርስትያን ኣብ 2016 ድሕሪ ምሟቱ፡ ኣብ መንጎ ኣባላት መራሕቲ ሃይማኖት ቀጻሊ ጎንጺ ነይሩ።

ብፍላይ ኣብ 2018፡ ኣመንቲ ነንሕድሕዶም ተታዂሶምን ተቓቲሎምን ምንባሮም ዝዝከር እዩ።

ሓደ መበገሲ እቲ ጎንጺ፡ ኣስታት 6.5 ሚልዮን ዶላር ዝግመት ገንዘብ ኣብ ዝኣተዎ ኣይተፈለጠን ብዝብል ከምዝኾነ ሓደ ጋዜጣ ናይታ ዓዲ ጸብጺቡ።

ኣብቲ ዝሓለፈ ቀዳም ግን፡ እቶም ካብ ደገ ነቲ ቤት ክርስትያን ክቆጻጸሩ ዝመጽኡ ዕጡቓት፡ ንኣርባዕተ ሰባት ኣብ ውሽጢ መኪነኦም እናሀለዉ ቀቲሎም እንተቓጽልዎም፡ ንሓደ ዋርድያ ድማ ተኵሶም ቀቲሎምዎ።

ፖሊስ እታ ሃገር ከምዘፍለጦ፡ ካብ መንጎ እቶም ኣብ ቀይዲ ዝወዓሉ፡ ገለ ኣባላት ምክልኻል ሃገርን ኣባላት ፖሊስን ይርከብዎም።

እታ ቤተ ክርስትያን፡ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ልዕሊ 3 ሚልዮን ሰዓብቲ ኣለዉዋ ተባሂሉ።