እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ብሰንኪ ዝለሓዄ ቪድዮ ኣርባዕተ ኣባላት ቦርድ ኤሪሳት ካብ መዝነቶም ወሪዶም
ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ኣባላት ቦርድ ኤሪሳት ‘ብዙም’ ዝገበርዎ ኣስታት ሰለስተ ሰዓታት ዝወሰደ ብቪድዮ ዝተቐድሐ ስቱር ኣኼባ፡ ናብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ድሕሪ ምልሓኹ ኣዛራራቢ ኣርእስቲ ኮይኑ ቀንዩ ኣሎ።
እቶም ኣባለት ቦርድ ነዚ ኣመልኪቶም ኣብ ዘውጽዎ መግለጺ፡ እቲ ናብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝተዘርገሐ ቪድዮ “ኣብ ኤሪሳት ክሰርሕ ዝጸንሐ ኣባል ቦርድ ዘይኮነ ሰብ ኣብ ስቱር ናይ ዝተኻየደ ኣኼባ ዝተሰነደሉ ቪድዮ ሰሪቑ ናብ ኣብ ውሽጢ ኤሪሳትን ካብዚ ትካል ወጻኢ ዝርከቡን ሰባት ዓዲልዎ” ብምባል እቲ ጉዳይ ብሕጊ ይረአ ምህላዉን ሕጋዊ መልሲ ክረክብ ምኳኑን ገሊጾም።
“እቶም ካብ ኤሪሳት ወጻኢ ዘለኹም ኣብቲ ኣኼባ ኣስማትኩም ብጽቡቕ ዘየልዓልናኩም ሰባት’ውን ይቕሬታ ንሓተኩም።ኣብ ትሕቲ ዝዀነ ይኹን ኩነታት ንሰባት ብሕማቕ ምጽዋዕ ጌጋ ምዃኑ ንኣምን። ምስ ግዜ ድክመትና ሸለል ኢልኩም ይቕረ ኽትብሉልና ንትስፎ።”
መግለጺ ኤሪሳት ብምስዓብ፡ ካብቶም ቃላት ተጠቒሞም ዝተባህሉ ኣባላት ቦርድ ኤሪሳትን ኣብቲ ኣኼባ ዝተሳተፉን ኣቶ ዘካርያስ ገሪማ፡ ኣቶ ፊልሞን ኣለምን ከምኡ’ውን ኣቶ ፊልሞን ሓጎስን “ስምዒታውያን ኰይኖም ክሳዕ ዘይምዕሩግ ቃላት ዝድርብዩ ኣብቲ ስቱር ኣኼባ ምሕራቖም ስለዝጠዓሶም ሎሚ 29 ሰነ 2020 ብፍቓዶም ካብ ኣባልነት ቦርድ ኽእለዩ ወሲኖም ኣለዉ” ይብል።
ብዘይካ እዚ ኣደመንበር ቦርድ ኤሪሳት ዶር ሳባ ተስፋዮሃንስ’ውን ብወገና ካብቲ ዝነበራ መዝነት ክትወርድ ከምዝወሰነትን ኣቶ እስማዒል ጋባይታ ንዓኣ ብምትካእ ኣቦመንበር ኮይኑ ከምዘሎ መግለጺ ይሕብር።
እታ ብተቓወምቲ መንግስቲ ኤርትራ ዝኾኑ ተጠበቕቲ ዝቖመት መደበር ተለቪዥን፡ ኣብ ውሽጣዊ ኣራርሓኣ “ምትዕርራይ” ክትገብር ምዃና እቲ ቦርድ ጠቒሱ።
“ብፍላይ ተረርቲ ውሳኔታት ኣብ ዘድልዩሉ ብቐረባ ንውከሶም ለባማት ኣሕዋት ምእንቲ ኽህልዉና ድማ ብዝቐልጠፈ ሽማግለ ኣማኸርቲ ከነቕውም ኢና።”
ኤሪሳት ኣብ ወርሒ ሕዳር ናይ 2018 መደባታ ድሕሪ ምጅማራ፡ ንዝተወሰነ ኣዋርሕ መደባታ ብምቁራጽ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ 2019 መደባታ ዳግማይ ብምጅማር ኣብ ኤርትራ ብዙሕ ሰብ ከምዝከታተላ ይንግር።