ኣብ ዝተፈላለዩ ግዝኣታት ህንዲ ዝዓለበ በርቂ ልዕሊ 100 ሰባት ቀቲሉ

በርቂ

ምንጪ ስእሊ, EPA

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ህንዲ በብዓመቱ ልዕሊ ክልተ ሽሕ ሰባት ብበርቂ ይሞቱ
Published

ኣብ ሰሜናዊ ህንዲ ኣብ ዝርከቡ ግዝኣታት፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብዝዓለበ በርቂ፡ ልዕሊ 100 ሰባት ከምዝሞቱ ሰብመዚ እታ ሃገር ኣፍሊጦም።

ኣብ ግዝኣት ቢሓር፡ በቲ በርቂ 83 ሰባት ዝሞቱ እንትኾኑ፡ ካልኦት 20 ሰባት ከኣ ቆሲሎም ኣብ ሆስፒታል ከምዝርከቡ፡ ተቖፃፃሪ ሓደጋ እታ ግዝኣት ሓቢሩ።

ኣብ ኡታር ፕራዴሽ ድማ፡ ብውሑዱ 20 ሰባት ከምዝሞቱ ተገሊፁ።

ካብዚ ብተወሳኺ ኣብታ ሃገር ዝወቕዐ ሓያል ዝናብን ነጎዳን፡ ኣብ ንብረትን ተኽልታትን፡ ጉድኣት ኣውሪዱ ።

ሰብሞያ ሜትሪዮሎጂ፡ ተወሳኺ ከቢድ ዝናብ ክህሉ ዝተንበዩ እንትኾኑ፡ ሰብመዚ እታ ሃገር ድማ፡ ሰባት ዘድሊ ጥንቃቐ ብምግባር ኣብ ገዝኦም ንክኾኑ ኣጠንቂቖም።

ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር ናሬንድራ ሞዲ፡ ንዝተጎድኡ ዜጋታት ረድኤት ከምዝቐርብ ብምሕባር፡ ንስድራ ግዳኣት እቲ ሓደጋ ሓዘኖም ገሊፆም።

እቲ ኣብ ግዝኣት ቢሓር ዘጋጠመ ሓደጋ፡ ኣብ ቀረባ ግዘ ካብ ዝተመዝገቡ እቲ ዝኸፍአ ምዃኑ በዓልመዚ ምክልኻል ሓደጋ እታ ግዝኣት፡ ንወኪል ዜና ኤኤፍፒ ገሊፁ።

ኣብታ ሃገር ቅድሚ ክልተ ዓመት፡ ልዕሊ 2300 ሰባት ብበርቂ ምሟቶም ይዝከር።

ብተመሳሳሊ ኣብ ደቡባዊ ህንዲ'ውን ኣብ ትርከብ ግዝኣት ኣንድራ ፕራዴሽ ኣብዚ ክልተ ዓመት 36,749 ሓደጋታት በርቂ ከምዘጋጠ ተመዝጊቡ ይርከብ።

ኣብ ህንዲ ከቢድ ዝናብ ብዝወቕዐ ቁፅሪ፡ ሓደጋ በርቂ ከጋድም ልሙድ እንትኸውን፡ ብዝሒ ዘለዎም ሰባት ኣብ ደገ ስለዝኾኑ ድማ፡ ልዑል ቁፅሪ ሞት ከምዘጋጥም ይግለፅ።