እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ካብ ኮሮናቫይረስ ዝሓወዩ በዓል ፀጋ ዕድመ ኢትዮጵያዊ መን'ዮም?
ነዞም ብውሑዱ 100 ዓመት ዝገብሩ በዓል ፀጋ ዕድመ፡ ካብ ሞንጎ ዝሓከሞም ሓደ ዶክተር፡ ኣብዚ ዕድሚኦም ካብ ኮሮናቫይረስ ምድሓኖም፡ "ዘደንቕ'ዩ" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
ዕድመ ኣባ ጥላሁን ወልደሚካኤል ዘረጋግፅ ናይ ልደት ሰርተፍኬት ዋላ'ኳ እንተዘይሃለወ፡ ስድርኦም ግና 114 ዓመት ከምዝገበሩ'ዮም ዝገልፁ፤ እዚ ድማ ኣብ ዓለም እቲ ዝዓበየ ዕድመ ይገብሮ።
ልዕሊ 80 ዝዕድሚኦም ሰብ ፀጋ ዕድመ ብኮሮናቫይረስ እንተተታሒዞም፡ ተኣፈፍቲ ከምዝኾኑ እዩ ዝግለፅ።
እዞም ፈላሲ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ዝኾኑ ወዲ ሚእቲ ዓመት በዓል ፀጋ ዕድመ፡ ሕዚ ኣብ ገዝኦም ብወዲ ወዶም እዮም ዝናበዩ ዘለው።
"ኣብ ሆስፒታል እንከለኹ፡ ኣምላኽ ጥዕና ክህበኒ እፅሊ ነይረ። መላእ እታ ሃገር እውን ዳግማይ ጥዑያት ክንከውን እበክን እፅልን ነይረ" ኢሎም ንቢቢሲ።
ኣባ ጥላሁን ብኮሮናቫይረስ ከምዝተለኸፉ ዝተረጋገፀ ኣብ ከተማ ኣዲስኣበባ ኣብ ጎረቤቶም ብዝተገበረ ሃንደበታዊ መርመራ እንትኸውን፡ ምልክታት እቲ ቫይረስ ቅድሚ ምርኣዮም፡ ናብ ሆስፒታል ከምዝተወሰዱ፡ ዶክተር ሕሉፍ ንቢበሲ ገሊፁ።
እዚ ድማ፡ እቲ ጉጅለ ሓካይም፡ ነቶም በዓል ፀጋ ዕድመ ብቅልጡፍ ሕክምና ክንክን ክገብርሎምን ክከታተልዎምን ኣኽኢልዎም እዩ።
ኣብ ሆስፒታል 'የካ' ምስኣተዉ ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ መዓልታት እቲ ቫይረስ ስለዘጥቀዖም ኩነታት ጥዕነኦም ብምንቁልቋሉ፡ ብኦክስጅን የተንፍሱ ከምዝነበሩ፡ ዶክተር ሕሉፍ ገሊፁ።
ን14 መዓልታት ኣብቲ ሆስፒታል ኣብ ዝፀንሕሉ ግዘ ድማ፡ ንልዕሊ ሰሙን ብኦክስጅን እዮም ዝሕከሙ ነይሮም።
ፀረ-ባክተርያን (ኣንቲ ባዮቲክ) ፀረ-ነድሪ ዝኾነ መድሓኒት ዴክሳሜታዞንን'ውን ክወስዱ ተገይሩ።
ህይወት ዘድሕን ዝብል ስያመ ዝረኸበ መድሓኒት ዴክሳሜታዞን ብኮቪድ-19 ብፅኑዕ ንዝሓመሙ ሰባት ዝፍውስ እዩ።
ኣብ ኢትዮጵያ ዛጊድ ልዕሊ 5000 ሰባት ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ እንትኾኑ፡ ህይወት 81 ሰባት ድማ በዚ ቫይረስ ጠፊኡ እዩ።
ሕንፍሽፍሽ ዘለዎ ግዘታት
ኣባ ጥላሁን ዝተሓከሙሉ ሆስፒታል'ውን ዕድመኦም 114 ምዃኑ ኣየረጋገፀን፤ ልዕሊ 100 ዕድመ ከምዝኾኖም ግና ጉጅለ እቲ ሕክምና ብርግፀኝነት ገሊፁ'ሎ።
መንእሰይ እንከለዉ ካብ ደቡባዊ ኢትዮጵያ ናብ ከተማ ኣዲስኣበባ ዝመፅኡ ኣባ ጥላሁን ወልደሚካኤል፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበረ ጥንኩር ግዘ፡ ኣብ እዋን ንእስነቶም ሓሊፈሞ እዮም።
ካብ 1935 ክሳብ 1941 ንዝነበረ ወራር ጣልያን ዝመስከሩ ኣባ ጥላሁን፡ ብ1974 ሃፀይ ሃይለስላሰ ካብ ዙፋኑ እንትዕሎ፣ ብ1991 ማርክሳዊ ስርዓት ደርግ እንትዓኑ'ውን ዝረኣዩ እዮም።
ኣብዚ እዋን ድማ፡ ካብ ኮቪድ-19 ሓውዮም ይነብሩ ኣለዉ።
ንዓመታት 'ኣባ' ብዝብል መዓርግ ቅልል ዝበለ ህይወት ዝነብሩ ኣባ ጥላሁን፡ መንእሰይ እንከለዉ ግና፡ ኤለትሪከኛ፣ ገዛ ቀላምን ኣብ ብዙሓት ዓይነት ስራሕቲ ይሰርሑ ከምዝነበሩ ወዲ ወዶም፡ ቢንያም ልኡል ሰገድ ጥላሁን ንቢበሲ ገሊፁ።
ኣብዚ ሕዚ ሰዓት ኣቦሓጉኡ ምስ ዕድመኦም እንትነፃፀር ኣብ ፅቡቕ ኩነታት ጥዕና ዝርከቡ እንትኾኑ፡ ጎናዊ ሳዕቤን እቲ ቫይረስ ግና፡ ድምፆም ከምዘድኸሞ፡ ሓቢሩ።