ተመሊሱ ንዘይመጽእ ኣቦኦም ዝጽበዩ ደቂ ኣምባቸው መኮነን

ዶክተር ኣምቸው መኮንን
Published

ቀዳም፡ ብኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ 15 ሰነ 2011፡ ርእሰ ከተማ ክልል ኣምሓራ ዝኾነት ከተማ ባህርዳር ከም ወትሮኣ ምውቕውቕ ኢላ እያ ጀሚራ።

ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ ግን በብኣንፈቱ ድምጺ ተኹሲ ክስማዕ ጀሚሩ።

ኣምባቸው መኮንን (ዶ/ር) ምስ በዓልቲ ቤቱ የሹሜ ደምሳሽ ን29 ዓመታት እዮም ብሓዳር ጸኒሖም። ሓሙሽተ ቆልዑ’ውን ወሊዶም - ኣርባዕተ ኣጓላት ሓደ ወዲ።

ኣምባቸው፡ ፕረዚደንት ክልል ኣምሓራ ከም መጠን ምዃኑ፡ ኣብ ባህር ዳር ኮይኑ እዩ ዝሰርሕ። ቤተሰቡ ግን ኣብ ኣዲስ ኣበባ እዮም።

ኣምባቸው፡ ካብን ናብን ከተማ ባህር ዳር ዝገብሮ ጉዕዞ ንማንም ኣይዛረብን። “ሃንደበት ይመጽእ፡ ሃንደበት ከኣ ይኸይድ። ናቱ ጸባይ ከምኡ እዩ” ትብል በዓልቲ ቤቱ የሹሜ።

“ክትመጽእ ከለኻ’ኳ ጽቡቕ ነገር መታን ክቕርበልካ” ብዝብል፡ መኸዲኡን መምለሲኡን ተሓቲቱ’ውን “ካብቲ ንዓኹም እትቕርብዎ ዝተፈለየ ኣይደልን” ይብል ከም ዝነበረ ትዛረብ።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ መንበሪ እንዳ ኣምባቸው መኮነን (ዶ/ር) ጋሻ ኣይፍለዮን። ሽዓ መዓልቲ’ውን ኣጋይሽ መሊኦም ይጻወቱ ነይሮም።

ወዲሓፍተን ንወይዘሮ የሹም ስልኪ ክሳብ ዝድውል እቲ ጸወታ ቀጸለ።

"ደዊሉ ኣብ ባህርዳር ተኹሲ ከም ዘሎ ነጊሩኒ። ናብ ኣምባቸው ደዊለ። ስልኩ ኣይሰርሕን” ትብል ወይዘሮ የሹም። ሓበሬታ ክትረክብ ናብ ብዙሓት ሰባት ደዊላ፡ መልሲ የለን።

“ከም ምሕማም፡ ከም ምንቅጥቃጥ ዓይነት ስምዒት ተሰሚዑኒ። ክጻወሮ ኣይከኣልኩን። ሰብነተይ ደሪቑ” ይብል።

ገለ ነገር ከምዘጋጠመ ተፈሊጡኒ ትብል። ቁሩብ ጸኒሑ፡ ኣምባቸው እግሩ ብጥይት ተወቒዑ ናብ ሕክምና ናብ ኣዲስ ኣበባ ክመጽእ ምዃኑ ሰምዐት።

ከይደቀሰት ናይ መከራ ለይቲ ኣሕሊፋ። ከምዘይወግሕ የለን ወጊሑ፡ ሞት ኣምባቸው መኮነን (ዶ/ር) ካብ ቤተሰብ ተረዲኣ።

"እቲ ቤተሰብ ብሞት ኣምባቸው ተሰይሩ እዩ። ተጎዲእና። ሞት ኣምባቸው ኣነ ንባዕለይ ክቕበሎ ኣይከኣልኩን” ክትብል በዓልቲ ቤቱ ንቢቢሲ ተዛሪባ።

ብፍላይ ኣናእሽቱ ደቃ፡ ሞት ኣቦኦም ክቕበሉ ከምዝኸበዶም ትዛረብ። “እቲ ዝኸበደ ነገር፡ ኣቦኦም ክመጽእ ማዕጾ ማዕጾ እናረኣዩ ንዝጽበይዎ ደቁ ምርዳእ እዩ” ትብል።

ዶክተር ኣምባቸው ምስ ስድራቤቱ

ሕሳስ ናይቲ ስድራ ገና ኣርባዕተ ዓመታ እያ። ኩልሻብ ትሓትት። “ኣቦይ ኣይመጽእን ድዩ?” እናበለት።

ወዲ 13 ዓመት ወዳ’ውን ብሞት ኣቦኡ ኣዝዩ ከም ዝተሃሰየ እያ ትገልጽ።

ኣምባቸው ንቤተሰቡ ቀረባ እዩ ነይሩ እትብል በዓልቲ ቤቱ፡ ፈታዊ ጸወታን ተዋዛይን’ውን ነይሩ ትብል። ኣምባቸው ቅድሚ ምሟቱ ቅድሚ መዓልታት ንዘውግዕዎ ኣይትርስዖን።

“ክመውት ሓደ ሰሙን ክተርፎ እንከሎ፡ ኣብ መንጎ ዕላልና፡ ሃንደበት ‘ንስኺ’ኮ ንፍዕቲ ኢኺ፡ ደቂኺ ምዕባይ ኣይኣብየክን’ ኢሉኒ ። ከምዙይ ዓይነት ቀልዲ ኣይፎቱን። ካልኣይ መዓልቲ ከምኡ ከይትብለኒ ኢለዮ” ትብል።

ኣብቲ እዋን፡ እንታይ ተሰሚዕዎን እንታይ እናሓሰበን ከምኡ ከም ዝበላ ኣይትፈልጥን።

ኣብቲ ዕለት ኣብ ባህር ዳር ብዛዕባ ዝተፈጸመ ኩነታት ዝተፈለየ ነገር ከም ዘይትፈልጥን ከመ ዘይሰምዐትን እትገልጽ ወ/ሮ ሹሜ “ከም ኩሉ ኢትዮጵያዊ እየ ሰሚዐዮ” ትብል።

“እቲ ጀነራል [ኣሳምነው ጽጌ] ቀቲሉ ንባዕሉ’ውን ተቐቲሉ ተባሂሉ። ኦሮማይ። ካብኡ ወጻኢ፡ ፍትሒ ከም ኩሉ ኢትዮጵያዊ እየ ዝጽበ ዘለኹ። ኣነ ፍትሒ ረኺበ ኣይብልን። ሕዚ’ውን ንጹር ኣይኮነን። ንሱ [ኣሳምነው ጽጌ] በይኑ ኣይገብሮን፡ ንሱ በይኑ ኣይቐትሎን። ብድሕሪት ኮይኑ መን እዩ ኣሳዊርዎ? ዝብል ኣይፈለጥኩዎን ኣለኹ” ኢላ።

Short presentational grey line

ቢቢሲ፡ ምስ ኣምባቸው ንመወዳእታ እዋን ብዛዕባ እንታይ ኣውጊዕኩም?

ወይዘሮየሹሜ፡ ኣይዝክሮን። ኣነ ወግሐ ጸብሐ፡ ክቐትሉኻ እዮም ይብሎ ነይረ። ክቐትሉኻ እዮም ይብል ነይረ።

ቢቢሲ፡ ንምንታይ ኢኺ ከምኡ ትብሊ ነይርኪ?

ወይዘሮየሹሜ፡ ሓደ ሰብ ደዊሉ ነጊሩኒ።

ቢቢሲ፡ እንታይ ኢሉኪ?

ወይዘሮየሹሜ፡ ንኣምባቸው እትህብለይ መልእኽቲ ኣሎ ኢሉ ከም ዝቕተል ነጊሩኒ። ሰንቢደ ‘መን ኢኻ ንስኻ?’ እንትብሎ ‘መንነተይ እንታይ ይዓብሰልኪ። ነቲ ሰብኣይ ተጠንቀቕ በልዮ’ ኢሉኒ።

Short presentational grey line

ሽዑ፡ ስለ ዘሕሰበኒ ክጥንቀቕ ነጊረዮ። ክነግሮ እንተለኹ ‘ንርእስኺ ከምዚ ኣይተጨንቕዮ፤ ከይትሓሚ። እንታይ ኣቢሰ እዮም ክቐትሉኒ? እንታይ በዲለ?’ ኢሉኒ።

ነዚ እዝክር፡ ኣዝዩ እዩ ዘሕዝን። ሞቱ ኩልሻብ ዘሕርርኒ ዝሕድሸኒ እዩ። ክሳብ ዕለተ ሞተይ እናሓረርኩ እየ ክነብር። ኣማውትኡ ኣዝዩ እዩ ዘሕዝን።

“ንሃገረይ ዝበለ ሰብ፡ እሞ ኸኣስ ኣብ ቤት ጽሕፈቱ ቢሮን ወረቐትን ሒዙ እንከሎ ምቕታል፡ ተራእዩን ተሰሚዑን ኣይፍለጥን” ትብል።

“ምንም የብልናን፡ እዚኣ ግበሩልና እናበልና ብልመና ኢና ንነብር። ኣምባቸው ናይ መንግስቲ ገንዘብ ዘይምነን ዘይትንክፍን፡ ንጹህ ሕልናን ኢድን ዝነበሮ ድኻ እዩ ነይሩ። በዚ ድማ ኣፍልበይ ሰንዲሐ ከምድላየይ ክኸይድ ገይሩኒ እዩ” ትብል።

ኣምባቸው ኣብ ሓላነፍት ኣብ ዝነበረሉ እዋን ብፍላይ ሓደ ጉዳይ ኣዐርዩ የሕስቦ ከምዝነበረ በዓልቲ ቤቱ ትዛረብ። ምምዝባል ናይ ሰባት።

"ኣነ ኣብ መዝነት እናሃለኹ፡ ህዝቢ ካብ መረበቱ ተመዛቢሉ ዕርፍቲ የብለይን፤ ይብል ነይሩ። ነዚ ንምዕራይ ድማ፡ ጸገም ኣብ ዝነበረሎም ከባብታት ርግኣት ኣብ ምውሓስ እዩ ቆላሕትኡ ነይሩ” ትብል።

ወሲኻ ድማ “ነቲ ናቱ ኣመራርሓ ዘይፈተውዎ ሰባት፡ በዚ ይትኩሱ፡ በቲ የፈንጅሩ፡ የባርዑ። እዚ ብዙሕ የጨንቖ ነይሩ” ትብ።ል

በዓልቲ ቤቱ ከምእትብሎ፡ ኣምባቸው ፈታዊ ዘመድ እውን ነይሩ። “ገዛና እንዳ በዓል ስልጣን ኣይመስልን። ዘመድን ጎረበትን ዝመላለሶ እዩ። ንሱ’ው ንካብ ስራሕ ንምሳሕ ክምለስ እንከሎ፡ ጋሻ ሒዙ እዩ ዝመጽእ። ግዜ ክረክብ እንከሎ፡ ምስ መሓዙቱ፡ ምስ ኣዝማዱ ክኸውን ዝመርጽ ሰብ እዩ ነይሩ” ክትብል ትገልጾ።

ቅድሚ ክልተ ዓመት ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተርኣየ ለውጢ መሪሕነት፡ ርኡይ ግደ ነይርዎም ካ ብዝበሃሉ ሰባት ሓደ ኣምባቸው መኮነን (ዶ/ር) እዩ።

ሽመት ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ዓብዪ ሓሰስ ፈጢሩሉ ከምዝነበረ በዓልቲ ቤቱ ትገልጽ። “

“ናብ ገዛ ምስመጸ ‘ካብ ዝኾነ ግዜ ንላዕሊ፡ ኣብ ህይወተይ ዝተሓጎስኩላ መዓልቲ’ እናበለ እዩ ኣምሽዩ” ትብል።

ወይዘሮ የሹሜ ኣብ ኣዲስ ኣበባ እትነብር ኮይና ሰራሕተኛ መንግስቲ እያ። ድሕሪ ሞት በዓል ቤታ፡ ብጡሮታ ብእትረኽቦ ኣታዊ ከምእትመሓደር ትገልጽ። እቲ ሕዚ እትነብረሉ ገዛ፡ ካብ መንግስቲ ዝተኻረየቶ እዩ።

ቀደሙ’ውን ብውሕድ ናይ ሰብኣያ መሃያ መንግስቲ መነባብሮኦም ከምዝደፍኡ እትገልጽ ወይዘሮ የሹሜ፡ ቀደሙ’ውን ጥጡሕ ናብራ ኣይለምድናን እያ ትብል።

ቀንዲ ዕላማኣ፡ ከይተጸገመት ደቃ ምዕባይ ከምዝኾነ እያ ትገልጽ። ካብ መንግስትን ካብ ፓርትን ሓገዝ ከምዝተገበረላ’ውን ትዛረብ። ብስም ኣምባቸው መኮነን ፋውንዴሽን ንምቛም ሓሳብ ከምዘሎ’ውን ገሊጻ።

እቲ ፋውንዴሽን ኣብ ትምህርትን ሰናይ ተግባራትን ከትኩር እዩ ድማ ኢላ።

“ኣምባቸው ፊዚክስን ሒሳብን ዝፎቱ ንፉዕ ተምሃራይ እዩ ነይሩ። ኣብዞም ዓይነታት ትምህርቲ ዝንባለ ንዘለዎም ተምሃሮ ንምሕጋዝን ንዕኡ’ውን መዘከርታ ንምግባርን እዩ እቲ ውጥን” ኢላ።

Short presentational grey line

ኣብቲ ቅድሚ ሓደ ዓመት ኣብ ባህር ዳር ዘጋጠመ መቕተልቲ ሰበስልጣን ኣምሓራ፡ ኣመሓዳሪ ናይቲ ክልል ዝነበረ ኣምባቸው መኮንን (ዶ/ር)፡ ዋና ዓቃቢ ሕጊ ናይቲ ክልል ዝነበረ ኣይተ ምግባሩ ከበደ፡ ከምኡ’ውን ኣማኻሪ ናይቲ ፕረዚደንት ዝነበረ ኣይተ እዘዝ ዋሴ ከም ዝተቐተሉ ይዝክር።