ብራዚል፡ ልዕሊ 50 ሽሕ ሞት ብምምዝጋብ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ተሰሪዓ

ምንጪ ስእሊ, EPA
ለበዳ ኮሮናቫይረስ ካብ ዝርአ ንነጀው፡ ዝለዓለ መጠን ሞት ካብ ዘመዝገባ ሃገራት ኣሜሪካ ኣብ ቅድሚት ትርከብ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ኣብ ብራዚል ልዕሊ 50 ሽሕ ሰባት በዚ ሕማም ብምሟቶም፡ እታ ሃገር ካልአይቲ ዝበዝሐ ቑጽሪ ሞት ዘመዝገበት ኮይና።
እዚ ኣዝዩ ዘሰንብድ ልዑል ቁፅሪ ሞት ዝተመዝገበ፡ እታ ሃገር ልዕሊ ሓደ ሚልየን ረኽሲ ኮሮናቫይረስ ኣብ ዘመዝገበትሉን፡ ብፖለቲካዊ ናዕቢ ኣብ ትሕቆነሉን ዘላን ግዘ እዩ።
ሰብሞያ፡ ሕዚ እውን ጫፍ እቲ ለበዳ ኣብታ ሃገር ንሰሙናት ከም ዝቕጽል እዮም ዝገልጹ።
ውድብ ጥዕና ዓለም ድማ ንኣሜሪካ ሓዊሱ ኣብ ሓደ መዓልቲ ልዑል ሓድሽ ረኽሲ ኮሮናቫይረስ እንተመዝግብ እዚ ፈላማይ እዩ።
ካብቶም ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት ዝተረጋገጹ 183 ሽሕ ቑጽሪ መልከፍቲ፡ እቲ ልዕሊ 60 ሚኢታዊት ኣብ ሰሜንን ደቡብን ኣሜሪካ ምዃኑ ይጠቅስ።
እንተኾነ እዚ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ብራዚል፡ ኣንጻር ፕሬዝደንት ብራዚል ቦልሶናሮ ዝወጽኡ ተቓወምቲ ኣይገደቦምን፤ ትማሊ ሰንበት ኣብታ ሃገር ሓያል ተቓውሞ ውዒሉ።

ምንጪ ስእሊ, EPA
ኣብ ዝሓለፈ ሓሙስ ኣማኻሪ ነበርን ዓብይ ወድን እቲ ፕረዝደንት ብብልሽውና ተኸሲሱ ብምእሳሩ እዩ ትማሊ ሰንበት ሰልፊ ተቓውሞ ተኻይዱ።
ሰልፈኛታት ፕረዝደንት ጄይር ቦልሶናሮ ክኽሰስ ይጠልቡ። ደገፍቱ ድማ፡ እቲ ኮንግረስን ላዕለዋይ ቤት ፍርድን ንስልጣኑ ክቆጻጸሩ'ዮም ዝጽዕሩ ብምባል ይቃወሙ።
ፕሬዝደንት ቦልሶናሮ፡ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣብ ሃገሩ ካብ ዝርአ ጀሚሩ ዝርግሕኡ ኣብ ምቁጽጻር ዕሽሽ ኢሉ እዩ ዝብል ነቐፌታ ይቐርበሉ።
ብግልጺ ካብ ሰብ መዚ ጥዕና እታ ሃገር ዝወሃቡ ምኽርታትን ኣዋጃት ዕጽዋን ተቓዊሙዎም'ዩ።
ብሰንበት፡ ሚኒስትሪ ጥዕና ብራዚል ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት 641 ሓደሽቲ ሰባት ከም ዝሞቱ ብምግላጽ፡ እቲ ቑጽሪ ናብ 50 ሽሕን 617 ከም ዝደየ ሓቢሩ። ኣብቲ ዕለት፡ መልከፍቲ ልዕሊ 17 ሽሕ ሰባት እዩ ተረኺቡ።
ፕሬዝደንት ቦልሶናሮ ግን፡ ካብቲ ቫይረስ ንላዕሊ እቶም ዝርግሐ እዚ ቫይረስ ንምዕጋት ዝውሰዱ ስጉምታት ዘስዕቡዎ ቑጠባዊ ሃሰያ ቐሊል ኣይኮነን ኢሉ ይኣምን።
ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ተሰሪዓ ትርከብ ኣሜሪካ 2.2 ሚልየን ረኽስታት ኮቪድ-19 ዘመዝገበት እንክትኸውን፡ 120 ሽሕ ሰባት ድማ ሞይቶም።








![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
