ኮሮናቫይረስ፡ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ጉዳይ ኮሮናቫይረስ ካብ ደቡብ ኣፍሪቃ እንታይ ትመሃር?

ኮሮናቫይረስ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

Published

ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ብብዙሕ መልክዑ ኣብ ኣፍሪቃ መሪሕ እያ። ካብዚ፡ ብዙሓት መሓዙት ሃገራት ኣፍሪቃ ዝመሃርኦ ከም ዘሎ ይጥቀስ።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ኣፍሪቃ ንዘሎ ሓደጋ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ግን፡ ካብ ድኽመታት ክውሰድ ዝኽእል ተሞኩሮ'ዩ ዘለዋ።

እታ ሃገር ዋላ'ኳ ልዑል ቑጽሪ መልከፍቲ እቲ ቫይረስ እንተመዝገበት፡ ምስ ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ እንትነጻጸር ግን፡ ዝተማልአ ስርዓት ጥዕና ኣለዋ።

ነዚ ዝተማልአ ስርዓት ጥዕና ሒዛ፡ ኣብ ኣፍሪቃ ንመጀመርታ ግዜ መርመራ ኮሮናቫይረስ ክትገብር እትኽእል ሃገር ኮይና፡ ነዚ ቫይረስ ንምክልኻል እኹል ምድላው ነይሩዋ እዩ።

ግንከ፡ ሕጂ ነቶም ደቡብ ኣፍሪቃ ዘይተዓወተትሎምን እወንታዊ ውጽኢት ዝረኸበትሎምን ስጉምታት ንገሊኦም ክንጠቅስ።

Short presentational grey line
  • ንጽህና

ቀልዲ ኣይኮነን፤ መንግስትን ጉጅለታት ሰብ ሞያ ሕክምናን፡ ውልቃዊ ጽርየት ኣብ ምሕላው ከተኩሩ ይግባእ።

ከምቲ ሕጂ ብዙሓት ሰብ ሞያ ዝብሉዎ፡ ሃገራት ኣዝዩ ክቡርን ውጽኢታዊ ዘይኮነን መሐገዚ መተንፈሲ መሳርሒ ብምዕዳግ ግዘን ገንዘብን ከባኽና የብለንን።

እኳ ድኣ፡ ኣብ ሆስፒታላት ፕሮቶኮል ሓለዋ ጽርየት ክዓብን ክመሓየሽን ምስ ዝገብራ፡ ሳዕቤን እዚ ለበዳ ምቁጽጻር ይኽእላ እየን።

ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ብርክት ዝበሉ ዓበይቲ ሆስፒታላት ማእከል ለበዳ ኮሮናቫይረስ ክኾኑ ምስ ጀመሩ ተዓጽዮም።

ዶኳትር'ውን፡ ሻሂ ኣብ ዝሰትይሉ ኽፍሊ ምእካብ፣ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ዘይምጥቃሞም፣ ቴሌፎን ሓደ ናብቲ ካልእ ምቅብባል፣ ኣብ ናይ ሕክምና ቦታ ንዝሰርሑዎ ስራሕ የነኣእሱ ነይሮም ተባሂሎም ይንቀፉ።

"ኣብ ናይ ሕክምና ቦታ እቲ ሓደገኛ ንመልከፍቲ ዘቃልዕ ከባቢ ሻሂ ዝስተየሉ ቦታ እዩ። ኩሉ ነዚ ክግንዘቦ ንሰርሕ ኢና ዘለና" ኢሉ ኣብ ጆሃንስበርግ ክኢላ ተመሓላለፍቲ ሕማማት ዶክተር ቶም ቦይለስ።

ኣብ ሻሂ ሰዓት ዘለው ሰራሕተኛታት ሕክምና

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

2. ቕልጡፍ መርመራ - ወይ መርመራ ዘይምግባር

ደቡብ ኣፍሪቃ፡ መጀመርታ ጽቡቕ ክትግስግስ ተራእያ ነይራ፤ ሕዚ ግን ብፍላይ መርመራ ኣብ ምክያድ ኣዐርያ ትጽገም ኣላ።

ኣብ ቤተ ፈተንኣ፡ "ዓሰርታት ኣሽሓት" ውጽኢቶም ዘይተፈልጠ ቅምሶታት ተኸዚኖም ኣለው። እዚ፡ ብቕዓት ሙሉእ መስርሕ መርመራ እታ ሃገር ከየግድዖ ይስጋእ።

ደቡብ ኣፍሪቃ ትሕቲ እቲ ክትምርምሮ ዝግባእ እያ ትምርምር ዘላ ዝብል ፍሉጥ በዓል ሞያ ክታበት ፕሮፌሰር ሻቢር ማዲህ፡ "ከመይ ኣቢልካ'ዩ ነቲ ድሩት ሃብቲ ቀዳምነት ክወሃብ ዝከኣል?" ክብል ይሓትት።

ብምኽንያት እታ ሃገር ዘለዋ ሕጽረት ፋይናንስን ሎጀስቲክስን ድማ፡ ኣብ መዓልቲ 20 ሽሕ ጥራሕ እያ ክትምርምር ትኽእል።

እዚ ቑጽሪ ውሑድ'ኳ እንተዘይኮነ፡ ውጽኢት እቲ መርመራ ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት ክፍለጥ እንድሕር ዘይክኢሉ ግን ትርጉም የብሉን ይብሉ ሰብ ሞያ ጥዕና እታ ሃገር።

ውጽኢት መርመራ ቅምሶ ሓደ ሰብ፡ ኣብ ሰዓቱ ክፍለጥ እንተዘይክኢሉ፡ እቲ ውልቀሰብ ከይተፈለጦ እቲ ቫይረስ ናብ ብዙሓት ሰባት ናይ ምትሕልላፍ ተኽእሎ ከም ዘለዎን፡ እዚ ድማ ኣሰር ምስቲ ሰብ ዝተተናኸፉ ሰባት ኣብ ምርካብን ካልእ ጸቕጢ ዘለዎ ስራሕ ከም ዝፈጥር ይገልጹ።

"ኣብዚ ሕዚ እዋን ዳርጋ ኣብ መብዛሕቲኡ ከባቢታት፡ መርመራ ኮቪድ-19 ንምክያድ 14 መዓልታት እዩ ዝወስድ ዘሎ፤ እዚ ክትርእዮ ከለኻ ግዜ ምብኻን እዩ" ይብል ዶክተር ቦይለስ።

እዚ፡ ዝርግሐ እቲ ቫይረስ ልዕሊ ዓቕሚ ዓብዪ ማሕበረሰብ ሕክምና እታ ሃገር ኮይኑዋ ንዘሎ ደቡብ ኣፍሪቃ ዓብዪ ስግኣት እዩ።

"እዚ ኩነታት ኣብ ሆስፒታላት ክህሉ ዝግብኦ ጥንቃቐ ክጎድል ምኽንያት ይኸውን ኣሎ" ዝብል ፕሮፌሰር ማድሂ፡ ኣብ ሆስፒታላት፣ ክሊኒካትን ስግኣት ተባሂሎም ኣብ ዝተነጸሩ ቦታታትን ሰፊሕ መርመራ ክህሉ ምግባር ወሳኒ ምዃኑ ይገልጽ።

ይኹን'ምበር፡ እቶም ውጽኢቶም ከይተፈልጠ ኣብ ቤተ ፈተነ ነዊሕ ዝጸንሑ ቅምሶታት ክውገዱ ኣለዎም ዝብል ሞጎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ደቡብ ኣፍሪቃ ብዘይምፍትሑ፡ ምልክታት ፖለቲካዊ ውጥጥ ይርኣዩ ኣለው።

3. ዕድመ ዘይኮነ ልዕሊ ዓቐን ርጉዲ

ኣፍሪቃ፡ መብዛሕትኡ ብዝሒ ህዝባ መንእሰይ ከም ዝኾነ ይዝረብ። በዚ ምኽንያት፡ ኮሮናቫይረስ ከስዕቦ ዝኽእል ሞትን መልከፍትን ክትከላኸሎ ትኽእል እያ ክብሃል ጸኒሑ።

ካብ ሆስፒታላት ደቡብ ኣፍሪቃ ዝወጽኡ ጸብጻባት ከም ዘመላኽቱዎ ግን፡ ኣብታ ሃገር፡ ብዙሓት ንልዕሊ ዓቐን ርጉዲ፣ ጸቕጢ ደምን ሕማም ሽኮርን ዝተቓልዑ'ዮም።

መብዛሕትኦም ግዳያት እዞም ጸገማት ጥዕና ድማ መናእሰይ ኮይኖም፡ ብምኽንያት ኮቪድ-19 ንዝሰዓበ ሞት ዝተቐዓልዑ'ውን ንሳቶም እዮም።

ኣስታት ሸውዓተ ሚሊዮን ዝኾኑ ኣፍሪቃውያን፡ ንጸቕጢ ደም፣ ሽኮርን ኤችኣይቭን ዝተቓልዑ ምዃኖም'ውን ይእመን።

ክልተ መሰለስ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ብምኽንያት ኮሮናቫይረስ ዘጋጠመ ሞት፡ መብዛሕትኦም ዕድሚኦም ትሕቲ 65 ዓመት ዝኾኑ እዮም ይብል ፕሮፌሰር ማዲህ።

ልዕሊ ዓቐን ርጉዲ ተቓላዕነት ኮሮናቫይረስ ይውስኽ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

4. ተቓላዕነት

ኣብ ቀረባ፡ ኣብ ጆሃንስበርግ ኣብ ዝርከብ ሓደ ዓብዪ ክሊኒክ ወሊድ ዝሰርሕ ሓደ ሰራሕተኛ ብኮሮናቫይረስ ምስ ዝተለኸፈ ሕሙም ብምትንኻፉ ግዳይ ኮይኑ።

ድሕሪኡ፡ እቲ ክሊኒክ ተዓጽዩ። 12 ነርሳት ናብ ገዝአን ክኸዳን ንነብሰን ክውሽባን ተነጊሩወን።

እንተኾነ፡ እዚ ስጉምቲ ኣብ ሞንጎ ሰብ ሞያ ጥዕና ኣድላዪ ዘይኮነ ራዕዲ ክፍጠር ዝግበር እዩ ብዝብል ብዙሓት ተቓዊሞምዎ።

ብተወሳኺ፡ ነዚ ለበዳ ይቃለስ ንዘሎ ስርዓት ጥዕና እታ ሃገርን ኣብ ቅድሚት ኮይኖም ሕሙማት ንዘገልግሉ ዘለው ሰብ ሞያን ዘነኣእስ እዩ ክብሉ፡ ብዙሓት ሰብ ሞያ ጥዕና ነቒፎምዎ።

ሓደ በዓል ሞያ ሕክምና፡ ነዚ ቫይረስ ተቓላዒ ኮይኑ እዩ ንክብሃል፡ 15 ካልኢትን ልዕሊኡን ምስቲ ሕሙም ከሕልፍ ክኽእል ኣለዎ ይብል ፕሮፌሰር ማዲህ።

ብርክ ዝበሉ ሰብ ሞያ ግን፡ ሰራሕተኛታት ጥዕና ውልቃዊ ጽርየቶም ክሕልው ከም ዘለው ነጊሮምኒ'ዮም ዝብል ፕሮፌሰር ማዲህ፡ ተቓላዕነት ከመይ ክትከላኸሎ ትኽእል ኣብ ዝብል እኹል ስልጠና ክወሃብ ኣለዎ ኢሉ።

ርእሱ ዝሓዘ ቖልዓ

5. እምነት

ዝሓለፈ ሰሙን፡ ደቡብ ኣፍሪቃ ካብ 50 ዘይበልጹ ሰባት ዝርከብሉ ሃይማኖታዊ ምትእኽኻብ ብምፍቃድ፡ ኣብያተ ክርስቲያንን መሳጊድን ክኽፈቱ ገይራ እያ።

መንግስቲ፡ ዝርግሐ እዚ ቫይረስ ንምቁጽጻር ዝወሰዶ ስጉምቲ ዕጽዋ ከፍኩስ ሓያል ጸቕጢ ይበጽሖ ስለ ዝነበረ፡ ነዚ ንምህዳእ ብዝመስል ገለ ስጉምታት ክፎኽሱ ገይሩ እዩ።

እዚ ውሳነ ግን ከበድቲ ስግኣታት ዝሓዘ እዩ። ሃይማኖታዊ ምትእኽኻባት ብዕድመ ዝደፍኡ ሰባት ናብ ትካላት እምነት ክምጽኡ ስለ ዝገብሩ፡ ብደረጃ ዓለም እዚኦም ማእከል እቲ ለበዳ ናይ ምዃን ተኽእሎ ኣለዎም ተባሂሉ'ዩ ዝውሰድ።

"እዚ ውሳነ፡ እቶም መምርሒታት ኣብ ሳይንስ ዝተሞርኮዙ ምዃኖም ዘይምቕባል'ዩ ዘርኢ" ክብል ተንታኒ ፖለቲካ ሪቻርድ ካላንድ ይዛረብ።

ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ብምክንያት ዕጽዋ ኣብያተ ክርስትያናት ጥርሖም ኮይኖም፡ ኣገልግሎት ብኢንተርነት ይህቡ ነይሮም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ብምክንያት ዕጽዋ ኣብያተ ክርስትያናት ጥርሖም ኮይኖም፡ ኣገልግሎት ብኢንተርነት ይህቡ ነይሮም

መንግስቲ፡ እንተውሓደ ልዕሊ 65 ዓመት ዝኾኑ ሰባት ናብቶም ሃይማኖታዊ ፍጻመ ዝካየደሎም ቦታታት ከይጽምበሩ ክገብር ይኽእል ነይሩ'ውን ይብል።

መራሕቲ ሃይማኖት፡ ስነ ስርዓት ጸሎት ኣብ ዝፍጽምሉ እዋን፡ ንኣመንቶም መምርሒ ኣካላዊ ርሕቐትካ ምሕላውን ኣልኮል ዘለዎ መጽረዪ ኢድ ምጥቃም ምዝኽኻር ክዝንግዑ ከም ዘይብሎም፡ መንግስቲ ኣዘኻኺሩ'ዩ።

6. ህዝቢ ኣብ ጎንኻ ክስለፍ ምግባር

ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ዝርግሐ ኮሮናቫይረስ ንምቁጽጻር ኣዋጅ ዕጽዋ ክትእውጅ እንከላ፡ መሸጣ ኣልኮላዊ መስተ ጠጠው ክብል ኣዚዛ።

ብዙሓት ሰባት፡ ነዚ ከቢድ ውሳነ ኢሎም ክቕበሉዎ ከለው፡ ዘቤታዊ ዓመጽ ንምንካይን ጎነጻት ንምክልኻልን ከምኡ'ውን ኣብ ሆስፒታላት ከጋጥም ዝኸእል ሕጽረት መደቀሲ ዓራትን ዝፈትሕ እዩ ብዝብል ተቐቢሎምዎ።

መንግስቲ እታ ሃገር ድማ፡ ድሕሪ ክልተ ወርሒ ሎሚ መዓልቲ ሰባት ኣብ ገዝኦም ኮይኖም ክሳብ ዝመጽእ ሓሙስ ክሰትዩ ኣፍቂዱሎም ኣሎ።

ደቡብ ኣፍሪቃ፡ መሸጣ ሽጋራ'ውን እያ ኸልኪላ ጸኒሓ። ኣብዚ ሕዚ'ውን ለውጢ ኣይገበረትን።

መንግስቲ፡ ሳይንሳዊ መበገሲታት ገይሩ ነዞም ስጉምታት ከም ዝወሰደ ክገልጽ እንከሎ፡ ገለ ሰባት ግን ሰበ ስልጣን ነዚ ዕጽዋ ምኽንያት ገይሮም ናይ ባዕሎም ሓድሽ መምርሒ ከተኣታትው'ዮም ዝጽዕሩ ዘለው ክብሉ ይነቕፉዎ።

እዚ ስጉምቲ፡ ገበናትን ኣካላዊ መጉዳእትን ክንኪ ከም ዝሓገዘ ፖሊስ እታ ሃገር ይገልጽ።

ኮሮና
ኮሮና