ኮረናቫይረስ፡ ዓሰርተ ኽልተ ወሊደን ክልተ ደቀን ጥራሕ ዝቐበሩወን ኣደ

ምንጪ ስእሊ, ABIY MEKONEN
ኣብ ከም ኢትዮጵያን ኤርትራን፡ ስነ ስርዓት ቀብሪ ብቐሊል ዝረኣይ ጉዳይ ኣይኮነን።
ኣዝማድን ፈተውትን ኣብ ሓመድ ድበ መቕርብን ፈታውን ከርክቡ ነዊሕ መንገዲ ክጓዓዙ ንቡር እዩ። ኮሮና ግን እቲ ንቡር ክፍጸም ኣየፍቀደን።
ነዚ ንምግባር ዕድል ዘይረኸቡ ሰባት ድማ ክጣዓሱን ሓዘኖም ከምዘይወጸሎም ክዛረቡ ምስማዕ ልሙድ ተርእዮ እዩ።
ንብዙሓት ባህላዊ ትውፊታት ማሕበረሰብ ብዝነበሮ ከይቅጽል ምኽንያት ኮይኑ ዘሎ ኮሮናቫይረስ ግን ሰብ እንትመውት በኺኻ ምቕባርን እንዳ ሓዘን ምብጻሕን ስለዘትረፈ ብዙሓት ሰባት ንበይኖም ኣብ ገዝኦም ኮይኖም ክሓዝኑን ክቑዝሙን ገይሩዎም ኣሎ።
ኣብዚ ሰሙን ካብ ዓለም ዝተፈለያ፡ ኣብ 1950ታት ኣብ 'ብሄራዊ ትያትር ኢትዮጵያ' ፍልጥቲ ድምጻዊት ዝነበራ ወ/ሮ ደመቀች ኣልዬ፡ 12 ቆልዑ እየን ወሊደን። ኮይኑ ግና ኣብ ስነ ስርዓት ቀብረን ዝተረኸቡ ክልተ ደቀን ጥራሕ እዮም።
ራብዓይ ወደን ኣብዪ መኮነን፡ ብምኽንያት ኮሮናቫይረስ ዝተነበረ ክልከላ ጉዕዞ፡ ኣብ ቀብሪ ኣዲኡ ኣይተረኸበን፡፡
ኣብ ዳላስ ቴክሳስ ነባራይ ዝኾነ ካፒቴን ኣብዪ፡ ኣብ ቀብሪ ወላዲቱ ክርከብ ብዘይ ምኽኣሉ ልቡ ብሓዘን ከምዝተሰብረ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
"እዞም ኩሎም ደቂ ዘለዉዎ ኣዶ፡ ክልተ ደቃ ጥራሕ እዮም ቀቢሮምዋ፡፡ መጓዓዚ ገንዘብ ኣይሰኣንናን፡ ኬድካ ናይ ምቕባር ዓቕሚ ነይሩና። ምኽያድ ግን ኣይንኽእልን" ብምባል ዝፈጠረሉ ጓሂ ይገልጽ፡፡
"ኣብ ኣብ እዋን ሓዘን ቀቢጽና ይወጸልና እዩ። መዋቲ ሓመድ ድበ ክሳብ ዝኣቱ ንስንዮ፡፡ ኣብ ኣመሪካ ን40 ዓመታት ተቐሚጠ እየ፡ ኣብ ሓዘንን ቀብርን እውን ተረኺበ እየ፡፡ ነሳቶም እቲ ሬሳ ከይተቐበረ እዮም ተሰናቢቶም ዝኸዱ፡፡ ንሕና ግን ሓመድ ክሳብ ዝለብሱ ኢና ንርእዮም፡፡ ኣዴና ክንቀብር ዘይምኽኣልና ልቢ ዝሰብር ነገር እዩ" ይብል።
ሓዉ ኣብቲ ስርዓተ ቀብሪ ዝተቐረጸ ቪድዮን ዝተስኣለ ፎቶታትን ልኢኽሉ እዩ።
"ሓደ መሓዛይ እቲ ናይ ሓዘን ስነ ስርዓት ብ'ዙም' ዘይነካይዶ ዝብል ሓሳብ ኣቕሪቡ። ካብኡ ኣርባዕተ ምኢቲ እንኸውን ቤተሰብ፥ ዘመድን ፈታውን ዝተሳተፍሉ ናይ ወላዲትና ስነ ስርዓት ሓዘን ብ'ዙም' ኣካይድና፡፡ ጸሎት እውን ጌርና፡ ሓዘን ልብና ድማ ቁሩብ ቅልል ኢሉልና።" ዝብል ካፒቴን ኣብዪ ክበጽሑ ምስ ዝመጹ ሰባት ድማ ኣካላዊ ምርሕሓቕ ብምግባር ሓዘኖም ንምውጻእ ከምዝፈተኑ ይግልጽ።







![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
