እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ኢትዮጵያ፡ 88 ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ሓደሽቲ ሰባት ተረኺቦም
ኢትዮጵያ፡ ኣብቲ ዝሓለፈ 24 ሰዓታት ኣብ ዝገበረቶ ምርመራታት ክሳብ ሕዚ ካብ ዝተመዝገበ ዝለዓለ ብዝሒ ብኮሮናቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ከምዝረኸበት ገሊጻ።
ትማሊ ካብ ዘካየደቶም 4048 ምርመራታት፡ 88 ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ከምዝተረኸቡ ሚኒስትሪ ጥዕና ኢትዮጵያ ዘውጸኦ መግለጺ የርእይ።
በዚ ምኽንያት ድማ፡ ኣብታ ሃገር ብዝሒ ዛጊድ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት 582 በጺሑ'ሎ።
በቲ ሕማም ተታሒዞም ኣብዚ እዋን ኣብ ሕክምና ዘለዉ ሰባት ድማ፡ 423 እዮም።
ኣብታ ሃገር፡ ክሳብ እዚ እዋን 152 ሰባት ካብቲ ሕማም ዝሓወዩ ኮይኖም፡ 5 ድማ ሞይቶም እዮም።
ካብቶም ሓደሽቲ ብኮሮናቫይረስ ተለኺፎም ዝተረኸቡ ሰባት፡ እቶም 8 ካብ ትግራይ እዮም።
መብዛሕተኦም፡ እቶም 73 ድማ ካብ ኣዲስ ኣበባ እዮም።
ኢትዮጵያ፡ ክሳብ ሕዚ 81010 ምርመራታት ከምዘካየደት ትገልጽ። ብዝሒ መዓልታዊ እትምርምሮም ቅምሶታት ድማ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ክብ እናበለ ከምዝመጸ፡ ካብ መግለጺ ሚኒስትሪ ጥዕና ምርኣይ ይከኣል።
ካብ ቀረባ መዓልታት ጀሚሩ፡ ብዝሒ ብኮሮናቫይረስ ከምዝተለኸፉ ብምርመራ ዝተረጋገጸ ሰባት ክብ እናበለ ይመጽእ ኣሎ።
ብቀዳም እቲ ሚኒስትሪ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ'ውን፡ 61 ሓደሽቲ በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ከምዝረኸበ ኣፍሊጡ ነይሩ።
እዚ ድማ፡ እቲ ናይ ሎሚ መግለጺ ክሳብ ዝወጽእ ዝለዓለ ቁጽሪ እዩ ነይሩ።