እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣፍጋኒስታን፡ ሓይልታት ፀጥታ ኢራን ንስደተኛታት ናብ ሩባ ኣጥሒሎም ክትብል ከሲሳ
ኣፍጋኒስታን ስደተኛታት ዜጋታታ፡ ዶባት ብዝሕልዉ ኣካላት ፀጥታ ኢራን ምስተሰቐዩ፡ ናብ ሩባ ተደፊኦም ክኣትዉ ተገይሩ ዝብሉ ፀብፃባት ተፃርይ ኣላ።
እቶም ስደተኛታት ካብ ምዕራባዊ ግዝኣት ሄራት፡ ብዘይሕጋዊ መገዲ ናብ ኢራን ክኣትዉ ዝተትሓዙ ከምዝኾኑ መራኸብቲ ሓፋሽ እቲ ከባቢ ገሊፀን።
ኣብ ቀይዲ ዝኣተዉ እዞም ስደተኛታት፡ ዶብ ኢራን ብዝሕልዉ ኣካላት ፀጥታ ከምዝተወቕዑን፡ ናብ ሩባ ክጥሕሉ ከምዝተገደዱን ድማ እቲ ፀብፃብ ኣቃሊሑ።
ናብቲ ሩባ በስገዳድ ክጠልቁ ካብ ሞንጎ ዝተገበሩ ገሊኦም ሞይቶም እዮም።
ኢራን ግና ነቲ ብኣፍጋኒስታን ዝቐረበላ ክሲ ነፂጋቶ።
ወሃቢ ቃል ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ኢራን፡ እዚ ኵነት ኣብ ናይ ኣፍጋኒስታን ግዝኣት'ምበር ኣብ ናይ ኢራን ግዝኣት ዝተፈፀመ ኣይኮነን፤ ኣካላት ፀጥታ እውን ዝገበርዎ ነገር የለን ክብል፡ ንክሲ ኣፍጋኒስታን ውደቂ ገይርዎ።
ቁፅሪ እዞም ግዳያት ዋላ ኡካ ምርግጋፅ እንተዘይተኽኣለ፡ ሰብመዚ ግና ብደርዘናት ዝቑፀሩ ስደተኛታት ዶባት ጥሒሶም ከምዝሰገሩ ብምግላፅ፡ ዛጊድ ብውሑዱ ሸውዓተ ሰባት ከምዝሞቱን ደሃይ ብዙሓት ስደተኛታት ከምዝተስኣነን ሓቢሮም።
ሬሳ መወትቲ ካብቲ ሩባ ዘውፅኡ ጉጅለ ኣለሻ ናብቲ ከባቢ ተላኢኾም እዮም።
ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኣፍጋኒስታን፡ ስራሕ ንምድላይ ዶብ ኣቋሪፆም ናብ ኢራን ክኣትዉ ዝደለዩ ኣፍጋኒስታውያን ስደተኛታት ብኣካላት ፀጥታ ኢራን ከምዝተኣሰሩ ሓቢሩ።
ኣብ ሞንጎ ኣፍጋኒስታንን ኢራንን ኣብ ዝርከብ ሩባ ሃሪሩድ እንትሰግሩ፡ ዝበዝሑ ናብቲ ሩባ ክጥሕሉ ተገይሮም፡ ዝደሓኑ እውን ኣለዉ ኢሉ፡ እቲ ኮሚሽን።
ሽር ኣግሃ ዝተብሃለት ስደተኛ፡ እቶም ኣካላት ፀጥታ ኢራን ፡ "እንተድኣ ንበዓልና ናብቲ ሩባ ዘይጥሒልና፡ ተኩሶም ከምዝቐትሉና ኣጠንቂቖምና" ብምባል ብዛዕባ እቲ ኩነታት ንሮይተርስ ገሊፃ።
ካልእ ስደተኛ ድማ፡ እቶም ሓይልታት ኢራን፡ " ወቒዖምና እዮም፡ ከበድ ስራሕ እውን ኣስሪሖምና።
ካብኡ ብመኪና ናብ ጥቓ እቲ ሩባ ወሲዶምና። ኣብኡ ምስ በፃሕና፡ ናብቲ ሩባ ደርብዮምና" ክብል ብዛዕባ እቲ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ተፈፂሙ ዝተብሃለ ፍፃመ መስኪሩ።
ኣብ ኢራን ንስደተኛታትን ሸቃሎን ሓዊሱ፡ ኣስታት ሰለስተ ሚልየን ኣፍጋኒስታናውያን ይነብሩ፤ ብኣማኢት ዝቑፀሩ ኣፍጋኒስታናውያን ድማ ኣለሻ ስራሕ፡ በብመዓልቱ ዶባት ጥሒሶም ናብ ኢራን ይኣትዉ።
ኣብ ኢራን ኮሮናቫይረስ ምስ ተላብዐ፡ ብዙሓት ኣፍጋኒስታናውያን ናብ ሃገሮም ዝተመለስሉ ግዘ ነይሩ፤ መብዛሕትኦም ድማ ኣብ ዶባት በቲ ቫይረስ ተሊኾም ክኾኑ ከምዝኽእሉ እዩ ዝጥርጠር።
ኢራን ኣንቢራቶ ዝነበረት ገደብ ክተፉክስ ምስጀመረት ግና፡ ብዙሓት ስራሕ ኣልቦ ኣፍጋኒስታናውያን እንደገና ዶባት ኣቋሪፆም ናብ ኢራን ክውሕዙ ጀሚሮም።
በዚ ጉዳይ ዝሓረቑ ኣማሓዳሪ ግዝኣት ሄራት ግና፡ " ህዝባና ከም ዝኾነ ስም ኣይኮነን ናብ ሩባ ዝድርበ። ሓደ መዓልቲ ሕነ ክንፈድይ ኢና" ክብል ብመገዲ ትዊተር ተሓንዩ።