ኮሮናቫይረስ፡ ኣብ ዓለም 'ሓደ ቢሊየን' ህዝቢ በዚ ቫይረስ ክጥቃዕ እዩ ተባሂሉ

Published

ነዚ ቫይረስ ተቓላዕቲ ዝኾና ሃገራት ህጹጽ ሓገዝ እንተዘይቐሪቡለን፡ ሓደ ቢልዮን ህዝቢ ዓለም ብኮቪድ-19 ክልከፍ እዩ ክብል ዓለምለኻዊ ኮሚቴ ወሃቢ ሰብኣዊ ሓገዛት [ኣይኣርሲ] ኣጠንቂቑ።

እቲ ኮሚቴ ከም ዝበሎ፡ ዝርግሐ እዚ ቫይረስ ንምንካይ ፋይናንሳውን ሰብኣውን ሓገዛት ክቐርቡ ይግባእ።

ሓደጋ እዚ ለበዳ ንምውጋድ፡ ከም ኣፍጋኒስታንን ሶርያን ዝበላ ኣብ ከቢድ ስግኣት "ምፍራስ" ዘለዋ ሃገራት "ህጹጽ ሓገዝ" ከም ዘድሊ እዩ ዝጠቅስ።

"ድልዱል ምላሽ ንምሃብ ውሑድ ግዜ እዩ ተሪፉ ዘሎ" ክብል'ውን የጠንቅቕ።

ከም ጸብጻብ ዩኒቨርሲቲ ጆንስ ሆፕኪንስ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ልዕሊ ሰለስተ ሚሊዮን ሰባት ብኮቪድ-19 ተለኺፎም' ልዕሊ 200 ሽሕ ድማ ሞይቶም።

ዓለምለኻዊ ኮሚቴ ወሃቢ ሰብኣዊ ሓገዛት ካብ ውድብ ጥዕና ዓለምን ኢምፔሪካል ኮሌጅ ለንደንን ዝኣከቦም መረዳእታታት መሰረት ገይሩ፡ ካብ 500 ሚሊዮን ክሳብ ሓደ ቢሊዮን ህዝቢ ዓለም በዚ ቫይረስ ክትሓዝ ከም ዝኽእል ኣመልኪቱ።

ብግጭት ኣብ ዝተሃሰያን ርግኣት ዘይብለንን ሃገራት ድማ ልዕሊ ሰለስተ ሚሊዮን ሰብ ክመውት ከም ዝኽእል ጸብጻብ እቲ ትካል የመልክት።

"እዚ ቑጽሪ መንቅሒ ደወል ክኾነና ኣለዎ" ኢሉ ዳይሬክተር ዓለምለኻዊ ኮሚቴ ወሃቢ ሰብኣዊ ሓገዛት ዴቪድ ሚሊባንድ።

"ኣዕናውን ዘይሚዛናውን ሓደጋ እዚ ለበዳ ኣብተን ኣብ ሓደጋ ምፍራስን ኲናት ዘለዋ ሃገራት ከስዕቦ ዝኽእል ሳዕቤን ክስምዓና ይግባእ። ጎና ጎኒ እቲ ንሕክምና ዝግበር ዘሎ ጻዕሪ ወሃብቲ ሓገዝ ህጹጽ ሓገዝ ከዳልው ይግባእ። መንግስታት'ውን ሰብኣዊ ረድኤት ንምብጻሕ ዘዐንቅፉ ነገራት ኣወጊዶም ብሓባር ክሰርሑ ኣለዎም" ኢሉ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ኣብ ምዕባይ ዝርከባ ወይ'ውን ርግኣት ዘይብለን ሃገራት ብምኽንያት ኮሮናቫይረስ ሕሙማት ንምሕካም ከም ዝጽገማን ሕጽረት ኣገደስቲ ናውታት ከም ዘለወንን ይእመን።

ኣብ ኣፍጋኒስታንን ፓኪስታንን፡ ሓደ ሚሊየን ህዝቢ ንምሕካም ትሕቲ 10 መሐገዚ መተንፈሲ መሳርሒ እዩ ዘለወን። እዚ ቑጽሪ ኣብ ናይጄሪያ እንትርአ፡ ንሓደ ሚሊየን 0.8 ቬንትሌተር እዩ ዝበጽሖ።

ኣብ ኤውሮጳ ብኮቪድ-19 ኣዐርያ ተሃስያ ዝጸንሐት ጥልያን፡ ኣብ መጀመርታ እዚ ቕልውላው ንሓደ ሚሊየን 80 መሐገዚ መተንፈሲ መሳርሒ ጥራሕ እዩ ኔይሩዋ።