እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ኒውዮርክ ፍቑራት ብኦንላይን ተመራዕዮም
Published
ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ፡ ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ሰባት መርዕኦም ክስርዙ ተገዲዶም እዮም።
ኣብ ኣሜሪካ ማእኸል ኮሮናቫይረስ ዝኾነት ከተማ ኒውዮርክ ግና፡ ነዚ ፀገም ንምፍታሕ፡ ብቪድዮ ዝካየድ መርዓ ሕጋዊ ንክኸውን ፈቒዳ።
ሳያካ ፉኩዳን ጀምስ ስቶርን ድማ ነዚ ዕድል ካብ ሞንጎ ዝተጠቐሙ፡ መፃምዲ እዮም።
መርዕኦም ኣብ ጃፓንን ኒውዮርክን ክገብሩ ሓሲቦም ከምዝነበሩ እዩ፡ ጀምስ ዝዛረብ።
ኣብ ዝቕፅል ወርሒ ጉንበት ጋምኦም ክፍፅሙ ተሊሞም ነይሮም፤ ብድሕሪኡ ኣብ ወርሒ ሰነ ድማ፡ ብዙሓት ፈትውቶምን ስድርኦምን ኣብ ዝተረኸብሉ፡ መርዕኦም ኣብ ኒውዮርክ ክፅንበሉ እዩ ነይሩ ትልሞም።
"ይኹን'ምበር ኣብ መፈለምታ ወርሒ ለካቲት፡ እዚ ከጋጥም ከምዝኽእል ርግፀኛታት ኢና ነይርና። ምኽንያቱ እንታይ ክንፍጠር ከምዝኽእል፡ ንፈልጦ ጉዳይ ኣይነበረን። ዝሓሰብናዮ ኣይኮነን" ኢሉ።
ስለዝኾነ ድማ እዩ፡ እዞም መፃምዲ፡ ከንቲባ ከተማ ኣንድሪው ኮሞ፡ ብኦንላይን ምምርዓው ከምዝከኣል ምስ ፈቐዱ፡ ብቴክኖሎጂ ተሓጊዞም ክመርዓዉ ዝወሰኑ።
መርዓት ሳያካ፡ በዓልቲ ሞያ ቅዲ (ዲዛይነር)፡ መልኪዓን ወቂባን ንክትረአይ ሓጊዝዋ እዩ።