እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
መንግስቲ ብሪጣንያ ብዛዕባ ኤርትራ ዘውጽኦ መጠንቀቕታ ኣሪምዎ
መንግስቲ ብሪጣንያ፡ ብዛዕባ ናብ ኤርትራ ዝግበር መገሻ ዝሃቦ መጠንቀቕታ ትማሊ 27 ሚያዝያ ኣሪምዎ ክብል ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ሓቢሩ።
እቲ ሚኒስተር ኣብ ትዊተር ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ "ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢን ኮመን ዌልዝን፡ ብቓል ንመንግስቲ ኤርትራ ኣብ ዝሃቦ መተሓሳሰቢ፡ ኣብቲ ኣቐዲሙ ዘውጽኦ ቅዳሕ፡ ብጌጋ ዘይግቡእ ቃላት ከም ዝተጠቕመን 'ዘይንጹርነት" ከም ዝነበሮን ተኣሚኑ" ኢሉ።
ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ብሪጣንያ፡ ትማሊ ኣብ ዘውጽኦ ዝተኣረመ መተሓሳሰቢ: ነቲ ኣቐዲሙ ዝተጠቕመሉ "ብቕልጡፍ ዝቕየር ዘሎ ኩነታት ኣብ ግምት ብምእታው" ዝብል ሓረግ ኣልይዎ።
ድሕሪ'ቲ ፈለማ ዝወጸ ቅዳሕ፡ ብዙሓት ኤርትራውያንን ተኸታተልቲ ጉዳያት ኤርትራን፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ግምታቶም ክህቡ ደፋፊእዎም ቀንዩ ነይሩ።
ብኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኤርትራ ወጺኡ ዝነበረ ናይ መገሻ መተሓሳሰቢ'ውን፡ ተመሳሳሊ ትርጉማት ተዋሂቡዎ ብምንባሩ፡ እቲ ኤምባሲ ካልእ ትርጉም ክወሃቦ የብሉን ዝብል መግለጺ ክህብ ተገዲዱ'ዩ።
ኣብ ዝሓለፈ መግለጺ፡ ኣብ ኤርትራ ዝርከብ ኤምባሲ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብታ ሃገር ንዝርከቡ ሰራሕተኛታቱ ካብ ኤርትራ ይስሕቦም ከምዘሎ ሓቢሩ ነይሩ።
እቲ መግለጺ ድማ፡ "እቲ ኣብ ኤርትራ ብቕልጡፍ ዝቕየር ዘሎ ኩነታት" ምኽንያት ብምግባር፡ ንግዚኡ ንኹሎም ሰራሕተኛታቱ ካብታ ሃገር ከምዝውጽኦምን፡ እቲ ኤምባሲ፡ ኣብ ኤርትራ ንዝርከቡ ዜጋታት ዓባይ ብሪጣንያ ናይ ዕስራን ዓርባዕተን ሰዓታት ቆንስላዊ ሐገዝ ከምዝህብን ገሊጹ።
ካልኦት ካብ ኣስመራ ክወጽኡ ዝደልዩ ወጻእተኛታትን ዲፕሎማሴኛታትን ከኣ ኣቐዲሞም ናይ መገሻ ፍቃድ ክሓቱ እቲ ኤምባሲ ኣተሓሳሲቡ ነይሩ።
እቲ ኤምባሲ ስለምንታይ ንሰራሕተኛታቱ ካብ ኤርትራ ክስሕቦም ከምዝተገደደ ግን ኣየነጸረን።
ኣብ ኤርትራ ዝርከብ ኤምባሲ መንግስቲ ኣሜሪካ እውን ኣቐዲሙ ን29 ዜጋታቱ ናብ ሃገሮም ከምዝመለሶም ሓቢሩ ነይሩ። እንተኾነ ግን፡ እቲ ዘወጽኣ ጽሑፍ "ሓቅነት ዘይብሉ ወረታት" ከምዘስዓበ ወኪል ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኤርትራ፡ ስቲቭ ወከር ገሊጹ።
መንግስቲ ኤርትራ፡ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንምቊጽጻር፡ ካብ 2 ሚያዝያ 2020 ኣትሒዙ ዝጸንዐ ምሉእ ዕጽዋ ኣዊጁ ይሰርሕን ነቲ "ምርጋጥ" ንዘይተወሰነ እዋን ከምዘናውሖን ገሊጹ እዩ።
ኣብ ኤርትራ፡ ካብቶም ብኮሮናቫይረስ ዝተለኽፉ 39 ሰባት፡ እቶም 13 ምሉእ ብምሉኡ ሓውዮም ነናብ ቤቶም ከም ዝተፋነዉ ሚኒስትሪ ጥዕና ገሊጹ ምንባሩ ይዝከር።