ኤርትራ 13 መዓልታት ብዘይ ሓዲሽ መልከፍቲ ኮሮናቫይረስ

Published

ኤርትራ 18 ሚያዝያ 2020፡ ዕድሚኦም ካበ 22 ክሳብ 50 ዝኾኑ 3 ደቂ ኣንስትዮን 1 ወዲ ተባዕታይን ብኮሮናቫይረስ ከምዝተለኸፈ ድሕሪ ምግላጻ ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ መዓልታት ዝኾነ ሓዲሽ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፈ ቁጽሪ ኣየመዝገበትን።

እታ ሃገር፡ ኣብ 21 መጋቢት 2020 ናይ መጀመርታ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፈ ሰብ ክትረክብ ከላ ክሳብ 18 ሚያዝያ ኣብ ዝነበረ ግዜ እቲ ቁጽሪ ናብ 39 ክብ ኢሉ።

ካብዞም 39 እውን ድሮ 26 ምሉእ ብምሉእ ካብቲ ሕማም ሓውዮም ነናብ ቤቶም ከምዝተመለሱ ካብ ሚኒስትሪ ጥዕና ኣብ በብመዓልቲ ክሕበር ዝጸንሐ ሓብሬታ የመልክት።

በዚ መሰረት ኤርትራ ኣብዚ እዋን እዚ 13 ተሓከምቲ ኮሮናቫይረስ ጥራይ እዮም ዘለዉዋ።

እዚ ኸኣ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ካብ ዘለዋ መዳውብታ ሃገራት ዝተሓተተ ቁጽሪ ኮይኑ ንረኽቦ።

ኤርትራ ክሳብ ሕጂ ክንደይ ዝኣኽሉ መርሚራ ኣላ?

ብዙሓት ሃገራት፥ ቁጽሪ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ክሕብራ እንከለዋ፡ ክንድዚ መርሚርና ካብኦም ክንድዚ ዝኣኽሉ እቲ ቫይረስ ተረኺብዎም እናበላ እየን ዝሕብራ።

እታ ዛጊት 39 ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፍዋን ካብዚኦም 26 ዘሕወየትን ኤርትራ ግን ክንደይ ሰባት መርሚራ'ያ ነዚ ቁጽሪ እዚ ረኺባ ብንጹር ዝተሓበረ ነገር የለን።

ካብቲ ካብ ሚኒስትሪ ጥዕና ዝውሃብ መምርሒታት ኣብቲ ኣብ 6 ሚያዝያ 2020 ዝወጽአ ሓበሬታ 14 ሰባት ተመርሚሮም ክልተ ሰባት እቲ ቫይረስ ከምዝተረኸቦም ከምኡ'ውን 8 ሚያዝያ፡ 20 ሰባት ተመርሚሮም 2 እቲ ቫይረስ ከምዝተረኸቦም ኣብ ዝሕብር ክልተ መግለጺታት ጥራይ'ዩ ብዝሒ ዝተመርመሩ ተገሊጹ።

ኣብ ዝተረፈ ኩሉ ሓበሬታታት ሚኒስትሪ ጥዕና ግን ቁጽሪ ብኮሮናቫይረስ ዝተለከፉን፡ ተመርሚሮም ካብቲ ቫይረስ ነጻ ምዃኖም ዝተረጋገጹን ጥራይ እዩ ዝጠቅስ።

ነቲ ካብ ምኒስትሪ ጥዕና ዝተወሃበ ሓበሬታ ምርኵስ ብምግባር ኣብ ቁጽሪ ዝተመርመሩ ዘይተሓበረ ነገር እንተዘይሃለዩ [ንምንታይ እዩ'ሞ ዘይሕበር?] ኣብ ኤርትራ ክሳብ እዛ ዕለት 69 ተመርሚሮም ካብዚኦም 39 ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ምኻኖም ክረጋገጽን እንከሎ 26 ድማ ምሉእ ንምሉእ ሓውዮም ነናብ ቤቶም ተፋንዮም ኢልካ ክዝረብ ይከኣል'ዩ።

እቶም ኣብ ሕክምና ዝርከቡ 20 ሕሙማት ኮሮናቫይረስ ሕክምናዊ ናብዮት ይግበረሎም ከምዘሎ እዩ ካብ ሚኒስትሪ ጥዕና ኤርትራ ዝተውሃበ ሓበሬታ ዘብርህ።

ላዕለዋይ ሓይሊ ዕማም ምክልኻል ኮሮናቫይረስ፡ ነቲ ካብ 2 ሚያዝያ 2020 ጀሚሩ ተግባራዊ ዝኾነ ዕጽዋ ንዘይተፈለጠ ምዓልቲ ንምንዋሕ 22 ሚያዝያ 2020 ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ናብ ኤርትራ፡ ብኣየር፡ ብባሕርን መሬታዊ ዶባትን ዝተመለሱ ገያሾን ምስኦም ቀረባ ምትእስሳር ዝነበሮም ብጠቕላላ ኣብ ኩሉ ዞባታት 1660 ሰባት ን21 መዓልታት ከምዝተወሸቡ ይሕብር።

ካብዚኦም ክንደይ ተመረሚሮም፡ ክንደይ ምልክታት ኣየርኣዩም ዝገልጽ ዝርዝራዊ ሓበሬታ ኣየቐመጠን።

ኣብ ኤርትራ ምስ ኮሮናቫይረስ ዝተሓሓዛ ዕለታት

21 መጋቢት 2020

  • 1 ወዲ 39 ዓመት ብኮሮናቫይረስ ከምዝተለኸፈ ተረጋጊጹ (እዚ ኣብታ ሃገር ናይ መጀመርታ ኮይኑ ተመዝጊቡ)።

25 መጋቢት 2020

  • 3 ጾትኦምን ዕድሚኦምን ዘይተሓበረ ኮሮናቫይረስ ከምዝተረኸቦም ተገሊጹ (ጠቅላላ ብዝሒ ብኮሮና ዝተለኸፉ 4)
  • ካብን ናብን እታ ሃገር ዝግበር በረራታት ደው ክብል ተኣዊጁ

26 መጋቢት 2020

  • 2 ጸቶኦምን ዕድሚኦምን ዘይተሓበረ ኮሮናቫይረስ ከምዝተረኸቦም ተገሊጹ (ጠቅላላ ብዝሒ ብኮሮና ዝተለኸፉ 6)
  • ኩለን ትካላት ትምህርቲ ካብ መዋእለ ህጻናት ክሳብ ኮሌጃት ካብ 27 መጋቢት ጀሚረን ተዓጽየን።
  • ኣብ ኩለን ከተማታት ህዝባዊ መጓዓዝያ ዝህባ ኣውቶቡሳት፡ ሚኒባሳትን ታክስታትን ካብ 27 መጋቢት ደው ኢለን።
  • ካብ ዞባ ናብ ዞባ ካብ ከተማ ናብ ከተማ ከምኡ'ውን ካብን ናብን ከተማ ገጠር ኣገልግሎት ዝሃባ ኣውቶቡሳት ብተመሳሳሊ ደው ኢለን።

29 መጋቢት 2020

  • 6 (5 ደቂ ተባዕትዮ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ዕድሚኦም ካብ 32-60 ) ብኮሮናቫይረስ ከምዝተለኸፉ ተገሊጹ (ጠቅላላ ብዝሒ ብኮሮና ዝተለኸፉ 12)

30 መጋቢት 2020

  • 3 (2 ደቂ ተባዕትዮ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ዕድሚኦም ካብ 45-60) ብኮሮናቫይረስ ከምዝተለኸፉ ተገሊጹ (ጠቅላላ ብዝሒ ብኮሮና ዝተለኸፉ 15)
  • ምኒስትሪ ጥዕና ኤርትራ ከም መቐጸልታ ናይቲ ኣሕሊፍዎ ዝነበረ ምዕጻው ኣብያተ ትምህርትን ምቁራጽ ህዝባዊ መጓዓዝያን ዝርከቦ መምርሒታት እዚ ዝስዕብ ዝርከቦ ተወስኸቲ ኣዋጃት ኣሕሊፉ።
  • ካብ 31 መጋቢት ተግባራዊ ዝኸውን ኩለን ባራት፡ ኣብያተ መግቢ እንዳ ሻህታትን ንዝቕጽል 14 መዓልታት ክዕጸዋን፡ ሰራሕተኛታት እዘን ትካላት ካብ ስራሕ ከይስጎጉን ዶሞዞም ብወነንቲ እዘን ትካላት ክኽፈሉ።
  • ከም ኣብያተ መድሃኒት፡ ባንክታት ግሮሶሪታትን ክፉታት ኮይነን ክጸንሓ።
  • ክፍሊታት ኤለትሪክ ማይን ተሌፎንን ንካልእ ግዜ ክሰጋገር ዝብል ይርከቦ።

01 ሚያዝያ 2020

  • 3 (ሓደ ወዲ 32 ዓመት፡ ጓል 52 ዓመት ከምኡ'ውን ጓል 13 ዓመት) ብኮሮናቫይረስ ከምዝተለኸፉ ተገሊጹ ( ጠቅላላ ብዝሒ ብኮሮና ዝተለኸፉ 18)
  • ኤርትራ ምሉእ ዕጽዋ ኣዊጃ፥ እቲ ብላዕለዋይ ሓይሊ ዕማም ምክልኻል ለበዳ ኮሮናቫይረስ ዝወጽአ ኣዋጅ ኸኣ እዚ ዝስዕብ ይርከቦ
  • ኩሉ ሰብ፣ ኣብ ቤቱ ኮፍ ክብል ይግደድ። እዚ፣ ነቶም ክውንዘፍ ኣብ ዘይክእል ልምዓታውን ኣገልግሎታውን ድሕነታውን ዕማማት ዝጽመዱ ኣይምልከትን።
  • ካብ ነብስ-ወከፍ ስድራ-ቤት፣ መዓልታዊ መግቢ ንምግዛእ፣ ወይ ንህጹጽ ሕክምናዊ ኣገልግሎት፣ እንተበዝሐ ክልተ ሰባት፣ ሓንሳብ ንመዓልቲ ክወጹ ይፍቀደሎም።
  • ኩሉ ንግዳዊ ትካላት ዕጹው ኮይኑ ክጸንሕ'ዩ። ብተመሳሳሊ፣ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት እታ ሃገር ዝርከብ ሰሙናዊ ዕዳጋታት ደው ኢሉ ክጸንሕ'ዩ። ምስ ቀረብን ምምስራሕ መግብን ዝተኣሳሰሩ ትካላት (ድኳናት፣ ፎርኖታት፣ ዕዳጋታት እኽልን ኣሕምልትን ፍረታትን) ከምኡ'ውን ፋርማሲታትን ባንክታትን ግን ኣገልግሎት ምሃብ ክቕጽላ። ።
  • ኩሉ ትካላት መንግስቲ፣ ካብ ኣገዳሲን ክውንዘፍ ዘይክእልን ልምዓታዊ፣ ኣገልግሎታውን ድሕነታውን መደባት ወጻኢ፣ ዝውቱር ስርሑን ዝህቦ ካልእ ኣገልግሎታትን ደው ከብል። ዝበዝሑ ሰራሕተኛታት መንግስቲ፣ ኣብ ቤቶም ይጸንሑ።
  • ኣብ ገጠር ኣብ ማሕረስን ምፍራይ ጥሪትን ካልእ ኣገዳሲ ልምዓታዊ ስራሕን ዝተዋፈሩ ዜጋታት፣ ስርሖም ክቕጽሉ'ዮም ዝብልን ካልእን የጠቓልል።

02 ሚያዝያ 2020

  • 4 (3 ደቂ ኣንስትዮን 1 ወዲ ተባዕታይን) ኮሮናቫይረስ ከምዝተረኽቦም ተሓቢሩ (ጠቅላላ ብዝሒ ብኮሮና ዝተለኸፉ 22)

04 ሚያዝያ 2020

  • 7 (5 ደቂ ኣንስትዮን 2 ደቂ ተባዕትዮ ዕድሚኦም 21-69 ) ኮሮናቫይረስ ከምዝተረኽቦም ተሓቢሩ (ጠቅላላ ብዝሒ ብኮሮና ዝተለኸፉ 29)

06 ሚያዝያ 2020

  • 2 (ወዲ 35 ዓመትን ጓል 61 ዓመትን) ኮሮናቫይረስ ከምዝተረኽቦም ተሓቢሩ (ጠቅላላ ብዝሒ ብኮሮና ዝተለኸፉ 31)
  • እዚ ናይዞም ክልተ ሰባት ውጽኢት ኣብ 14 ሰባት ድሕሪ ዝተገበር መርመራ ዝተረኽበ ምዃኑ እቲ ካብ ሚኒስትሪ ጥዕና ዝወጽአ ምልክታ ይሕብር።

08 ሚያዝያ 2020

  • 2 (ወዲ 30 ዓመትን ጓል 62 ዓመትን) ኮሮናቫይረስ ከምዝተረኽቦም ተሓቢሩ ( ጠቅላላ ብዝሒ ብኮሮና ዝተለኸፉ 33)
  • እዚ ናይዞም ክልተ ሰባት ውጽኢት ኣብ 20 ሰባት ድሕሪ ዝተገበር መርመራ ዝተረኽበ ምዃኑ እቲ ካብ ሚኒስትሪ ጥዕና ዝወጽአ ምልክታ ይሕብር።

10 ሚያዝያ 2020

  • 1 ወዲ 72 ዓመት ብኮሮናቫይረስ ከምዝተለኸፈ ተሓቢሩ (ጠቅላላ ብዝሒ ብኮሮና ዝተለኸፉ 34)

14 ሚያዝያ 2020

  • 1 ወዲ 25 ዓመት ብኮሮናቫይረስ ከምዝተለኸፈ ተሓቢሩ (ጠቅላላ ብዝሒ ብኮሮና ዝተለኸፉ 35)

18 ሚያዝያ 2020

  • 4 (3 ደቂ ኣንስትዮን 1 ወዲ ተባዕታይን ዕድሚጾም ካብ 22 ክሳብ 50) ብኮሮናቫይረስ ከምዝተለኸፉ ተገሊጹ (ጠቅላላ ብዝሒ ብኮሮና ዝተለኸፉ 39)
  • 3 ካብቶማ ኣብ ሕክምና ናብዮት ክግበረሎም ዝጸንሕ ምሉእ ንምሉእ ሓውዮም ነናብ ቤቶም ተፋንዮም።
  • ኤርትራ ካብ'ዛ ዕለት (18 ሚያዝያ 2020) ክሳብ ሎሚ ሓደሽቲ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ የብላን።

21 ሚያዝያ 2020

  • 3 ካብቶማ ኣብ ሕክምና ናብዮት ክግበረሎም ዝጸንሕ ምሉእ ንምሉእ ሓውዮም ነናብ ቤቶም ተፋንዮም (ጠቅላላ ብዝሒ ዝሓወዩ 6)

22 ሚያዝያ 2020

  • እቲ ካብ 02 ሚያዝያ ጀሚሩ ን21 መዓልታት ተግባራዊ ክኸውን ዝተኣወጀ ዕጽዋ ንዘይተወሰነ መዓልታት ከምዘናወሖ ላዕለዋይ ሓይሊ ዕማም ምክልኻል ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣፍሊጡ።

23 ሚያዝያ 2020

  • 5 ካብቶማ ኣብ ሕክምና ናብዮት ክግበረሎም ዝጸንሕ ምሉእ ንምሉእ ሓውዮም ነናብ ቤቶም ተፋንዮም (ጠቅላላ ብዝሒ ዝሓወዩ 11)

25 ሚያዝያ 2020

  • 2 ካብቶም ኣብ ሕክምና ናብዮት ክግበረሎም ዝጸንሕ ምሉእ ንምሉእ ሓውዮም ነናብ ቤቶም ተፋንዮም (ጠቅላላ ብዝሒ ዝሓወዩ 13)።

28 ሚያዝያ 2020

  • 6 ካብቶም ኣብ ሕክምና ናብዮት ክግበረሎም ዝጸንሕ ምሉእ ንምሉእ ሓውዮም ነናብ ቤቶም ተፋንዮም (ጠቅላላ ብዝሒ ዝሓወዩ 19)።

30 ሚያዝያ 2020

7 ካብቶም ኣብ ሕክምና ናብዮት ክግበረሎም ዝጸንሕ ምሉእ ንምሉእ ሓውዮም ነናብ ቤቶም ተፋንዮም (ጠቅላላ ብዝሒ ዝሓወዩ 26)

ሕቶ ድጎማ!

ካብ 31 መጋቢት ተግባራዊ ክኸውን ዝጀመረ ክሳብ ሕጂ ኣብያተ መግቢ እንዳ ሻሂታትን ኣብ ዕጽዋት እየን ዘለዋ፡ ሰራሕተኛታት እዘን ትካላት ካብ ስራሕ ከይስጎጉን ዶሞዞም ብወነንቲ እዘን ትካላት ክኽፈሉ እዩ እቲ ብምኒስትሪ ጥዕና ዝወጽአ ኣዋጅ ዘገድድ።

እንተኾነ እቲ ኣዋጅ እቶም ስርሖም ዓጽዮም ዘለዉ ኣስራሕቲ ንሰራሕተኛታቶም ደሞዞም ክኸፍሉ ከገድድ እንከሎ እንታይ ዝወጠነሎም 'ድጎማ' ኣሎ ኣብ ጽሕፉ ኣየስፈረን።

ላዕለዋይ ሓይሊ ዕማም ምክልኻለ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣዋጅ ዕጽዋ ኣብ ኤርትራ ንዘይተፈለጠ ከምዝተናወሐ ኣብ 22 ሚያዝያ 2020 መገልጺ ኣብ ዘውጽኣሉ፥ ኣዋጅ ዕጽዋ ኣብ ዕለታዊ መነባብሮ ህዝቢ ብፍላይ ኣብ'ቶም ካብ ኢድ ናብ ኣፍ ዝናብረኦም ዜጋታት ዘለዎ ጽልዋ ቀሊል ከምዘይኮነ ገሊጹ ነይሩ።

ብምስዓብ፡ ኣብተን ንጥፈታተን ብምዕጻው ጥራይ ዘይኾነ፡ ደሞዝ ሰራሕተኛታተን ክኸፍላ ተቐሲበን ዝጸንሓን፡ ንብሕጂ'ውን ብመሰረት'ዚ ኣዋጅ ዝቕጽላን፡ ወሃብቲ ኣገልግሎት ትካላት ዝህልዎ ጸቕጢ'ውን ግሉጽ'ዩ ይብል።

ብዙሓት ሃገራት መሓውር ቁጠበአን ውሑስ ኮይኑ ንክቕጽል ንትካላት ከምዝዱጉማን፡ እቶም ካብ ስራሕ ደው ዝበሉ ዜጋታተን ንምሕጋዝ ገንዘብ ይድጉማ ከምዘለዋ ይፍለጥ።

እዚ ብላዕለዋይ ሓይሊ ዕማም ምክልኻል ሕማም ኮሮናቫይረስ ዝወጽአ መግለጺ ግን ጸገም ከምዘሎ ድኣ ይግለጽ እምበር፡ ነቲ ጸገም ንምፍታሕ ዝኾነ ዓይነት ሓሳብ ኣየቐመጠን።

ብህዝቢ ዝግበር ዘሎ ወፈያታት

ኣብ ውሽጢ ኤርትራን ኣብ ደገ ዝቕመጡ ኤርትራውያን "ኤርትራዊ መኸተ ኣንጻር ለበዳ ኮሮናቫይረስ" ብዝብል መሪሕ ቴማ በብዓቕሞም ብድምር ኸኣ ብሚልዮና ዶላራት ዝቁጸር ገንዘብን ዓይነታዊ ሓገዝን ኣብ ምውፋይ ይርከቡ።

መንግስቲ'ውን ብመንገዲ እተን ብመንግስቲ ዝውነና መራኸቢ ብዙሃንን ወግዓዊ መርበብ ሓበሬታ ሚኒስትሪ ዜናን መዓልታዊ ነቲ ዝውፈ ዘሎ መጥን ገንዘብን ዓይነታዊ ሓገዝን ወትሩ ምስ ኣቓለሐ'ዩ።

እንተኾነ፡ እዚ ዝዋጻእ ዘሎ ገንዘብ ኣብ ምንታይ መዓላ ከምዝውዓለን ከምዝውዕልን ብወግዒ ዝተገልጸ ነገር የለን።

'እቲ ዝዋጻእ ገንዘብ ኣብ ግቡእ መዓልኡ ከይውዕል ይኽእል እዩ' ዝብል ስግኣት ዘለዎም ኣብ ደገ ዝቕመጡ ኤርትራውያን'ውን፡ ኣብ መዓስከራት ስደተኛታት ሱዳንን ኢትዮጵያን ንዝርከቡ ስደተኛታት ንምሕጋዝ ተበግሶታት ይወስዱ ከምዘለዉ ይፍለጥ።

ገለ ካብቲ ዝጥቀስ ወፈያታት

  • ነባሪት ቺካጎ ኤርትራዊት ኣዜብ ምሕጹን 100 ሽሕ ዶላር
  • ኤርትራውያን ነበርቲ ኣሜሪካ ኣብ ክልተ ሰሙን ጥራይ 3.8 ሚልዮን ዶላር
  • ኣቶ ዘሙይ ተኸስተን ወ/ሮ ዉባ ህብትየስን ካብ ሽወደን 1,000,000 ናቕፋ
  • ኤርትራውያን ነበርቲ ካናዳ 475 ሽሕ ዶላር
  • ኣብ ምምሕዳር ንኡስ ዞባ ጎዳይፍ ዝርከቡ 76 ኣካረይቲ፡ ን251 ተኻረይቲ ካብ ጥሪ ክሳብ ሚያዝያ፡ ን11 ተኻረይቲ ድማ ሕማም ቫይረስ ኮሮና ካብ ኤርትራ ክሳብ ዝጠፍእ ብናጻ ክነብሩ ፈቒዶም።ኣብ ዳዕሮ ጳውሎስ'ውን 3 ኣካረይቲ ን12 ተኻረይቲ፡ ኣብ ኣርባዕተ ኣስመራ፡ 7 ኣካረይቲ ን43 ተኻረይቲ ካብ 3 ክሳብ 1 ወርሒ ክራይ ገዛ ሓዲጎሙሎም።
  • ሰራሕተኛታት ሚኒስትሪ ሕርሻ 6,200,000 ናቕፋ፡ ሰራሕተኛታት ሚኒስትሪ ዜና 1,219,742ናቕፋ፥ ሰራሕተኛታት ሚኒስትሪ ዕዮን ማሕበራ ዊድሕነትን ትካል ሰብ ሰርሖ መሓውር፡ መናበዪ ዘኽታማትን መዓስከር ስንኩላን ደንደንን 835, 000 ናቕፋ
  • ሰራሕተኛታት ዕደና ኩባንያ ቢሻ 7,785,820 ናቕፋ
  • ሰራሕተኛታት ኩባንያ ዕደና ዛራ 2,892,000 ናቕፋ
  • ብዓልቲ ቤት ፕረዚደንት ኢሳይያሰ ኣርወርቂ ወይዘሮ ሳባ ሃይሊ ምስ ወዳ ኣብርሃም ኢሳይያስ 50 ሽሕ ናቕፋ ዝብልን ካልእን ይርከቦ።

ክሳብ ሕጂ ካብዚ ሕማም ነጻ ዘለዋን ሞት ዘየመዝገባን ሃገራት ኣፍሪቃ

ኮሮናቫይረስ ክሳብ ሕጂ ኣብ 52 ሃገራት ኣፍሪቃ ክረአ እንከሎ ሃገራት ሌሴቶን ኮሞሮስን ጥራይ እየን እቲ ሓማም ኣብ ሃገረን ከም ዘይኣተወ ሓቦረን ዘለዋ።

ኣብተን እዚ ሓማም ተራእዩለን ዘሎ 52 ሃገራት ኣፍሪቃ ኸኣ ልዕሊ 33 ሽሕ ሰባት በዚ ቫይረስ ተለኺፎም፡ ካብዚኦም 10141 ስባት ካብቲ ሕማም ምሉእ ንምሉእ ሓዋዮም ነናብ ቤቶም ክፋነዉ እንከለዉ ሞት 1470 ሰባት ድማ ኣብዛ ኣህጉር ተመዝጊቡ'ሎ።

ካብዘን ኮሮናቫይረስ ዝተራእየን ሃገራት ኣፍሪቃ 10 ሃገራት ጥራይ እየን ብኾቪድ-19 ዝሰዓበ ሞት ዘየመዝገባ።

ኮሮናቫይረስ ተራእይወን ግን ሞት ዘይመዝገባ ሃገራት ኣፍሪቃ ኤርትራ፡ ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ፡ ማዳጋስካር፡ ሞዛምቢክ፡ ርዋንዳ፡ ሳኦ ቶም ኤንድ ፕሪንሲፐ፡ ናሚብያ፡ ኡጓንዳ፡ ደቡብ ሱዳንን ጫድን እየን።

ድቡብ ኣፍሪቃ ካብ ኣህጉር ኣፍሪቃ እታ ዝበዝሑ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ዘለዉዋ ኮይና ኣብታ ሃገር ዛጊት 4793 ሰባት ብኮሮናቫይረስ ተለኺፎም 90 ድማ ሞይቶ ኣለው ግብጺ ብ4782፡ ሞሮኮን ድማ 4115 እተን ዝበዝሑ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኽፉ ዘለዉወን ሃገራት ኣፍሪቃ ኮይነ ንደቡብ ኣፍሪቃ ይስዕባኣ ኣለዋ።