እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ብኮሮናቫይረስ ንዝሞቱ ሰባት ብኽብሪ ዝቐብር ውልቀሰብ
Published
ህንዳዊ ዓብዱል ማልባሪ፡ ንሰለስተ ዓሰርተ ዓመታት፡ ሓባሪ ዝሰኣኑ ሬሳታት ቀቢሩ እዩ።
ሓደ መዓልቲ ስድራ ንዘለዎም መወትቲ ክቐብር እየ ኢሉ ሓሲቡ ኣይፈልጥን።
ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንስድርኦም ክሰናበቱን ክቐብሩን ንዘይኸኣሉ ግና፡ በብመዓልቱ ይቐብር ኣሎ።
ወዲ 51 ዓመት ዓብዱል ማልባሪ፡ "ስረሐይ ዝተወሰነ ሰዓት የብሉን፤ ዝሞተ ሰብ ኣሎ ኢሎም እንተደዊሎምለይ፡ ምኻድ እዩ" ይብል።
መወትቲ ምቕባር፡ ንዓብዱል ልዕሊ ስራሕ እዩ፤ ንዘይፈልጦም መወትቲ ኣዝዩ እዩ ዝሓዝን፤ ከም ቤተሰብን ኣዝማድን ኮይኑ ድማ ብኽብሪ ይቐብሮም።
ቅድሚ ሰላሳ ዓመታት ናብዚ ስራሕ ክኣትው ዝገበሮ፡ ንሰብኣውነት ዝህቦ ቦታ እዩ፤ ንዕኡ ሰብ ምዃን ጥራሕ እኹል እዩ።
ኣብ ግዝኣት ጉጅራት ከተማ ሱራት፡ ሰባት ብኮሮናቫይረስ እንትሞቱ፡ ሰብመዚ ህንዲ፡ ንዓብዱል ማልባሪ እዮም ዝድውልሉ።
ኣብታ ከተማ ዛጊድ 19 ሰባት ብኮሮናቫይረስ ሞይቶም እዮም፤ 244 ድማ በቲ ቫይረስ ተለኺፎም።
ኣብ ግዝኣት ጉጅራት ድማ፡ 3548 ሰባት በቲ ቫይረስ ከምዝተትሓዙ ተረጋጊፁ እዩ።