እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኒውዮርክ፡ መደብራት መድሓኒት ምርመራ ኮሮናቫይረስ ከካይዳ ክትፈቅድ እያ
እታ ብለበዳ ኮሮናቫይረስ ሕሱም ዝተጠቕዐት ግዝኣት ኣመሪካ፡ ኒውዮርክ፡ መደብራት መድሓኒት [ፈርማስታት] ምርመራ ኮሮናቫይረስ ከካይዳ ክትፈቅድ ምዃና ኣመሓዳሪኣ ተዛሪቡ።
ኣመሓደሪ ከተማ ኒውዮርክ፡ ኣንድሪው ኩውሞ ኣብ መዓልቲ 40 ሽሕ ሰባት ንምምርማር ዝወጽአ ትልሚ ንምዕዋት እዩ እዚ ዝፈቅድ ዘሎ።
ብዚ ውሳነ መሰረት፡ ኣብ ከተማ ኒውዮርክ ዝርከባ ኣስታት 5 ሽሕ ዝኾና መደብራት መድሓኒት መርመራ እቲ ቫይረስ ከካይዳ ክጅምራ እየን።
ኣብ ኣመሪካ ዛጊድ 938 ሽሕ ሰባት በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ ኾይኖም፡ ካብቶም ግዳይ ሞት ዝኾኑ 53751 ሓደ ኢድ ናይ ሰለስተ፡ ደቂ ከተማ ኒውዮርክ እዮም።
ኣብዚ ጉዳይ፡ ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ትማሊ መዓልታዊ መግለጺ ኣይሃበን።
ትማሊ ቀዳም፡ ኣብ ትዊተሩ፡ ካብ ጋዜጠኛታት ዝቐርብሉ 'ናይ ይበተኹ' ዝበሎም ሕቶታት ጠቒሱ ንመራኸቢ ብዙሃን ወቒሱ እዩ።
ትራምፕ እንታይ እዩ ኢሉ ነይሩ?
ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሓሙስ ኣብ ቤት ጽሕፈቱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ 'ዲስኢንፈክታንት' [ጀርምታትን ቫይረሳትን ንምጥፋእ ኣብ ልዕሊ ኣቑሑት ዝንጸግ ኬሚካል] ኮሮናቫይረስ ንምፍዋስ ኣብ ረብሓ ክውዕል ከምዝኽእል ተዛሪቡ ነይሩ።
ኣዝዩ ድማ ተነቒፉ።
ብፍላይ ድማ እቲ ነቐፌታ ካብ ዶኳትራትን ኣፍረይቲ መድሓኒታትን ዝተፈነወ ኾይኑ፡ እቲ ንሱ ፈውሲ ክኸውን ይኽእል እዩ ዝበሎ 'ዲስኢንፈክታንት' ፡ ብኣፍ እንተተወሲዱ ንህይወት ኣስጋኢ ነገር ምዃኑ እዮም ኣጠንቂቖም።
ትራምፕ እዚ ምባሉ ስዒቡ ድማ፡ ኣብ ከተማ ኒውዮርክ፡ ብርክት ዝበሉ ሰባት ንናይ ኣቐሑ ኬሚካላት ሓደጋ ተሳጢሖም ተባሂሉ።
ትራምፕ ምስ ግብረ-ሓይሊ ኮሮናቫይረ ኮይኑ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ኣሉታዊ ጽልዋ እዩ ኣሕዲሩ።
ኣብቲ ሃገር ዝርከብ ወኪል ቢቢሲ ከምዝበሎ፡ በቲ ናይ ዕለተ ሓሙስ ኣፈጻጽምኡ፡ ፕረዚደንት ትራምፕ ዋላ ኣብ ልዕሊ 'ቶም ኣኽሪሮም ዝድግፍዎ ሕርቃን ፈጢሩ እዩ።
ነዚ ስዒቡ ድማ፡ ዓርቢ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ብዘይልሙድ ኣብ ውሽጢ 20 ደቒቓ ክለኣም ገይሩ።
ካብ ጋዜጠኛታት ድማ፡ ዋላ ሓንቲ ሕቶ ንምቕባል ፈቓደኛ ኣይኮነን። ትማሊ ድማ እቲ ልሙድ መዓልታዊ መግለጺ ከይሃበ ተሪፉ።
እዚ ከምዚ እናሃለወ፡ ብዓርቢ ገለ ግዝኣታት ጆርጅያ፣ ኦክላሆማን ኣላስካን ዝተወሰኑ ትካላት ንግዲ ኸፊተን ውዒለን።
ሰብ ሞያ ግን፡ እቲ ስጉምቲ ነቲ ለበዳ ከጋድድ ይኽእል እዩ ብዝብል፡ ኣይደግፉዎን።