ፕረዚደንት ሲሪል ራማፎዛ፡ መሸፈኒ ክገብር ዘጸገሞ መራሒ መስሓቕ ህዝቡ ኮይኑ

Published

ፕረዚደንት ሲሪል ራማፎዛ፡ ብዛዕባ ኮሮናቫይረሰ ንህዝቡ መግለጺ ንምሃብ ኣብ ተሌቪዥን ኣብ ዝቐረበሉ እዋን፡ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ንምግባር ከም ዝተጸገመ ዝራኣዩ ደቡብ ኣፍሪቃውያን ክሳብ ሕጂ ሳሓቖም ኣይወድኡን።

እቲ ፕረዚደንት፡ ኣብታ ሃገር ተኣዊጁ ዘሎ ተሪር ዕጽዋ ንምዝላቕ ከም ዝተወሰነ ንህዝቡ ክነግር ኣብ ተለቪዢን ኣብ ዝቐረበሉ እዋን'ዩ፡ እቲ 'ሓደጋ' መሸፈኒ ኣጋጢምዎ።

ነዚ ዝተዓዘቡ ደቡብ ኣፍሪቃውያን ድማ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት መስሓቕ ሪኸቦም፡ ይዋዘይሉ ኣለዉ።

ሓደ ካብኦም "እዚ መሸፈኒ ን4ይ ደረጃ ዕጽዋ ራማፎዛ ምእዛዝ ኣብዩ" ክብል ኣብ ትዊተር ጽሒፉ ።

ገለ ድማ፡ እቲ ኣጋጣሚ መምሃሪ ክኸውን ይኽእል'ዩ ኢሎም።

"ሲሪል ራማፎዛ፡ መሸፈኒ ምግባር ኣብዩዎ ክኸውን ይኽእል'ዩ። መን ኣሎ ከምኡ ዘየጋጠሞ? ንባዕሉ ክስሕቕ ይኽእል'ዩ። ኣብ ክንዲ ዝተሰንዐን፡ ዝተዓሸገን፡ ሰብ ዝኾነ ፕረዚደንት ክህልወኒ'የ ዝመርጽ" ይብል ሓደ ሳይሞን ግሪንድሮድ ኣብ ትዊተር።

ናቢላ ድማ፡ "ሰላም፡ ፕረዚደንትኹም ሲሪል ራማፎዛ'የ! ናብዚ መሸፈኒ ብኸመይ ከምእትገብርዎ ዝምህር መደብ እንቋዕ ብደሓን መጻእኩም። ነዚ ቪድዮ ላይክ ግበሩዎን ኣባጽሕዎን" ክትብል ጽሒፋ።

መሸጣ ሽጋራን፡ ካልኦት ንጥፈታትን ምስናይ ጥንቃቐታት ተፈቒዶም ኣለዉ። መሸጣ ኣልኮል ግን ሕጂ'ውን ተኣጊዱ ክቕጽል ምዃኑ እቲ ፕረዚደንት ኣፍሊጡ'ሎ።