እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሂዩማን ራይትስ ዎች፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንስደተኛታት ኤርትራ ኣይምዝግብን ምባሉ 'ኢሰብኣዊ' ኢልዎ
ንመሰል ደቂ ሰባት ዝሕለቕ ዓለማዊ ትካል ሂዩማን ራይትስ ዎች፤ መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ ጥሪ 2020 ጀሚሩ፡ ንኤርትራውያን ሓተትቲ ዑቕባ ዘአንግደሉ መስርሕ ብዘይወግዓዊ መገዲ ቀይርዎ እዩ ኢሉ።
ቅደም ክብል፡ ካብ ኤርትራ ሰጊሮም ንዝኣትዉ ኩሎም ስደተኛታት ከዕቁብ ዝጸንሐ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ሕጂ ግን ንገለ ጉጅለታት ጥራይ ፈልዩ እዩ ዝቕበል ዘሎ ኢሉ።
ካብቶም ኣይትምዝገቡን ዝተብሃሉ ድማ ብዙሓት በይኖም ዝሰገሩ ኤርትራውያን ቆልዑ ከምዝርከብዎም እቲ ትካል ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ሓቢሩ።
ኢትዮጵያ ነዞም ሓተትቲ ዑቕባ ኣይምዝግብን ምባላ፡ እቶም ስደተኛታት ናብቲ ዝሃደምዎ ሕማቕ ኩነታት ክምለሱ ዘገድድ እዩ ዝበለ እቲ ትካል እዚ ድማ "ንዓለምለኻዊ ሕጊ ስደተኛታት ዝጥሕስ እዩ" ኢሉ።
ወሲኹ ድማ "እቶም ሰባት ዑቕባ ከይረኽቡ ምኽልካል ዘይሰብኣውን ዘይሕጋውን እዩ" ኢሉ ሂዩማን ራይትስ ዎች።
ዳይረክተር ምብራቕ ኣፍሪቃ፡ ሂዩማን ራይትስ ዎች፡ ላቲሽያ ባደር፡ "ኣብ ኤርትራ ዘሎ ወጽዓ እንከይተቐየረ ከሎ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንዜጋታት ኤርትራ ዑቕባን ሓለዋ ክኽልክል ግቡእ ኣይኮነን፡ ብፍላይ ከኣ በይኖም ንዝሰግሩ ቆልዑ" ኢላ።
ቅድም ክብል፡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ ኢትዮጵያ ምስ ሰገሩ ኣብ ከባቢ ዶብ ተመዝጊቦም መብዛሕተኦም ናብተን ኣብ ትግራይ ዝርከባ ኣርባዕተ መዓስከር ስደተኛታት ይውዝዑ ምንባሮም ዝፍለጥ እዩ።
እቲ ንመሰል ሰባት ዝሕለቕ ትካል ከምዝገለጾ፤ ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ ሓምለ 2018 ስምምዕ ሰላም እንተፈረማ እኳ፡ እዚ ግን ነቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ኣይቀየሮን ኢሉ።
ኣብ 2019፡ በብወርሑ 6000 ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ ኢትዮጵያ ይሰግሩ ምንባሮም እውን ጠቒሱ።
ሂዩማን ራይትስ ዎች፡ ንላዕለዋይ ተጸዋዒ ጉዳይ ስደተኛተት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብምጥቃስ ከምዝገለጾ፡ ካብቶም ኣብ ትግራይ ዝርከቡ መዓስከራት ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛተት፡ እቶም 44 ምኢታዊት ቆልዑ እዮም።
እቲ ትካል፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንኤርትራውያን ስደተኛታት ዝቕበለሉ መስርሕ ቀይሩ እንተኾይኑ ዝሓትት ደብዳቤ እኳ እንተጻሓፈ፡ ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያ መልሲ ከምዘይረኸበ ገሊጹ።