ሓደ ውልቀሰብ "ዓው ኢልኩም ተዛሪብኩም" ብዝብል ሓሙሽተ ሰባት ቀቲሉ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
Published
ኣብ ሩሲያ ሓደ ውልቀ ሰብ ካብ መጠን ንላዕሊ ዓው ኢሎም ብምዝራብ ረቢሾምኒ ንዝበሎም ሓሙሽተ ሰባት ከምዝቐተለ ተገሊፁ።
እዚ ውልቀሰብ፡ ሰዓት ኣርባዕተ ናይ ምሸት፡ ኣብ ኣፍደገ ገዝኡ ኮይኖም ብዓውታ የውግዑ ንዝነበሩ ሓሙሽተ ሰባት፡ "በይዛኹም ድምፂ ነክዩ፡ ትርብሹኒ ኣለኹም" ይብሎም እሞ፡ ንሶም ግና ክሰምዕዎ ኣይከኣሉን።
ኣብ ሞንጎኦም ዝተፈጠረ ዘይምስምማዕ ብምንሃሩ፡ ንመህደኒ ኣራዊት ብዝጥቀመሉ ጠበንጃ ተኵስሎም። ሓሙሽቲኦም ሰባት ድማ ሞይቶም።
እዚ ተግባር ካብ ከተማ ሞስኮ 200 ኪሎሜትር ርሒቓ ኣብ ዝርከብ ኣውራጃ ሪያዛን፤ የላትማ ኣብ ትበሃል ቁሸት እዩ ተፈፂሙ።
ነበርቲ እታ ኣውራጃ ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ፡ ካብ ገዝኦም ንከይወፅኡ መምርሒ ተዋሂብዎም እዩ።
እዚ ውልቀሰብ ነዚ ተግባር ቅድሚ ምፍፃሙ፡ ነቶም ግዳያት 'ድምፂ ነክዩ' ብምባል ተማሕፂንዎም ከምዝነበረ ፖሊስ ሓቢሩ።
ፖሊስ ነዚ ተግባር ንዝፈፀመ ውልቀሰብ ኣብ ቀይዲ ኣውዒልዎ'ሎ።




![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
