ፊፋ ናብ ስታድዮማት ዋንጫ ዓለም ከይኣትዉ ዝኸልከሎም ነገራት እንታይ'ዮም?

ጥሩምባ ዘሰሓዘ ደጋፊ ሃገራዊት ጋንታ ኣመሪካ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

Published
ንባብ: 4 ደቓይቕ

ፊፋ ዳግማይ ኣብ ጥቕሚ ዝውዕሉ ጎማታት መትሓዚ ማይ ሒዝኻ ናብ ስታድዩማት ዋንጫ ዓለም ምእታው ከምዝእግድ ደንጉዩ ኣብ ዘውጽኦ ናይ ፖሊሲ ለውጢ ኣፍሊጡ።

እቲ ኣቐዲሙ ዝተኣወጀ ሕጊ ስታድዩም "ባዶን ዳግማይ ኣብ ጥቕሚ ክውዕል ዝኽእል ሓደ ሊትሮ ዝሕዝ ፕላስቲክ ናይ ማይን ጥርሙዝን ናብ ስታድዩም ክኣቱ ይኽእል እዩ" ዝብል'ዩ ነይሩ።

ይኹን እምበር፡ እቲ ውድድር ክጅመር ሓደ ሰሙን ጥራይ ምስ ተረፎ ናይ ማይ መትሓዚ ጎማታት ጥርሙዝ ይኹን ታኒካታት ናብ ስታድዮም ከይኣቱ ከልኪሉ ኣሎ።

እዚ ከኣ ተዓዘብቲ ናብ ተጻወትቲ ብድርባይ ጉድኣት ከየውርዱ ብምስጋእን ክመጽእ ንዝኽእል ሓደጋ ንምውጋድን ተዓሊሙ ዝወጸአ ሕጊ'ዩ።

ላዕላወይ ኣካያዲ ዋንጫ ዓለም ዝዀነ ፊፋ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ "ፊፋ ናይ ኩሎም ተጻወትቲ፡ ዳኛታት፡ ደገፍቲ ካልኦት ኣካላትን ድሕነቶም ንምውሓስ" ዓሊሙ ኣበርቲዑ ይሰርሕ ምህላዉ'ዩ ገሊጹ።

ኣብ ስታድዮማት ዋንጫ ዓለም ንነዊሕ ግዜ መሻርኽቲ ፊፋ ኮይኑ ክሰርሕ ዝጸንሐ ኮካኮላ ኣብ ስታድዮማት ማይ፡ ልስሉስ መስተን ጸማቕን ክሸይጥ ምዃኑ'ዩ ገሊጹ ዘሎ።

ፊፋ ብተወሳኺ ኮካ ኮላ ኣብ ስታድዮማት ኣብ ዝሸጦ ፈሳሲ ብውሕዱ ኣብ ማይ ካብቲ ኣብ ካልእ ጸወታታት ዘኽፈሎ ክፍሊት ንላዕሊ ከምዘየኽፍል'ዩ ኣፍሊጡ ዘሎ።

እንተኾነ ማሕበር ደገፍቲ ኵዕሶ እግሪ ዝኾነ ፍሪ ላየንስ፡ እዚ ፊፋ ዘወጽኦ ሓዲሽ ሕጊ ምስቲ ደገፍቲ ሃገራዊት ጋንታ ዓዲ እንግሊዝ፡ ኣብ ሜዳ ብነጻ ማይ ክውሃቡ ዝተኣተወሎም ቃል ዝጋጮ ምዃኑ'ዩ ዝማጎት።

 ማሕበር ኵዕሶ እግሪ፡ ፊፋ ደገፍቲ ማይ ሒዞም ክኣትዉ ከምዝኽእሉ ኣረጋጊጽሉ ምንባረ'ዩ ዝገልጽ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ማሕበር ኵዕሶ እግሪ፡ ፊፋ ደገፍቲ ማይ ሒዞም ክኣትዉ ከምዝኽእሉ ኣረጋጊጽሉ ምንባረ'ዩ ዝገልጽ

"ኣብቲ ዝግበር ዝነበረ ምይይጥ ጉዳይ ኣቕርቦት ማይ ወሳኒ'ዩ ነይሩ፡ ፊፋ 'ውን ደገፍቲ ናይ ገዛእ ርእሶም ማይ ሒዞም ናብ ሜዳ ክኣትዉ ከምዝኽሉ'ዩ ገሊጹ ነይሩ" ይብል ማሕበር ደገፍቲ ኵዕሶ እግሪ ኣብ ኤክስ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ።

እቶም ደገፍቲ'ውን እዚ "ገንዘብ ንምርካበን ተባሂሉ ዝተገበረ'ዩ" ብምባል ዘይዕግበቶም ምግላጾም ማሕበር ደገፍቲ ኵዕሶ እግሪ ኣበሪሁ።

"ብሕጂከ እንታይ'ዩ ክስዕብ? ክሬም መከላኸሊ ጸሓይ ምእጋድን ደገፍቲ ኣብ ስታድዩም ክገዝእዎ ምግዳድን ድዩ?" ኢሉ ሓቲቱ።

ዋላ እኳ መከላኸሊ ጸሓይ ኣብ ዝርዝር እገዳ ኣቑሑት ፊፋ እንተዘይሃለወ፡ ኣብ እዋን ጸወታ ተርሞስ ሻሂ ሒዞም ክኣትዉ ዝደልዩ ደገፍቲ ግን ተስፋ ክቖርጹ ይኽእሉ እዮም።

ብዘይካ ጥርሙዝ መትሓዚ ማይ፡ጥርሙዝ መዐቐቦ ዉዑይ ነገር፡ ከምኡ'ውን ዝኾነ ብርጭቆ ወይ ካልእ ዝስበር ነገራት ምምጻእ'ውን ክልኩል እዩ።

 እቲ ሕጊ ብጀካ መትሓዚ ማይ ካብ ጥርሙዝ ዝተሰርሑ ወይ ተሰበርቲ ነገራት ሒዝካ ናብ ስታድዮም ምእታው'ውን ዝኽልክል'ዩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, እቲ ሕጊ ብጀካ መትሓዚ ማይ ካብ ጥርሙዝ ዝተሰርሑ ወይ ተሰበርቲ ነገራት ሒዝካ ናብ ስታድዮም ምእታው'ውን ዝኽልክል'ዩ

ብፍላይ ድማ መዝሓሊ ወይ ውዑይ መዐቐቢ ንብረት ምሓዝ ብጥብቂ ክልኩል እዩ።

ኣልኮላዊ መስተ ኣብ ፍቓድ ዘለዎ ቦታታት ጥራይ እዩ ክዕደግን ክውሰድን ዝፍቀድ።

ብዘይካ ሓደ ሊትሮ ጸባ ህጻናት ወይ ብዝተጸረየ ማይ ዝተበጽበጸ ፎርሙላ፡ ሳኒታይዘርን መከላኸሊ ጸሓይን ሓዊሱ ልዕሊ 100 ሚሊ ሊትር ዝኾነ ፈሳሲ ሒዝካ ምእታው ኣይፍቀድን እዩ።

ይኹን እምበር ተዓዘብቲ ብእንግሊዝኛ፣ ስጳኛ ወይ ፈረንሳዊ ምስክር ወረቐት ሕክምና ከቕርቡ እንተኽኢሎም ክሳብ ፍርቂ ሊትሮ ዝበጽሕ መግቢ ወይ መስተ ናብ ስታድዩማት ሒዞም ክኣትዉ ክፍቀደሎም እዩ።

መግብን መስተን ጥራይ ኣይኮኑን ካብ ስታድዩማት ዋንጫ ዓለም ተኸልኪሎም ዘለዉ።

ጥዕናኻ ንምህላው ዝግበር ማስክ ወይ ብሃይማኖታዊ እምነት ዝግበር ምሽፋን ጸጉሪ ርእሲ እንተዘይዀይኑ፡ ብጨርቂ ገጾም ዝሸፈኑ ሰባት ናብ ስታድዮም ክኣትዉ ኣይክፍቐዶምን'ዩ።

ናብ ስታድዮም ምስ ኣተዉ ነዚ ሕጊ እዚ ምስ ዝጥሕስዎ ከኣ ካብቲ ስታድዮም ከምዝወጽኡ ክግበሩ'ዮም።

ብርቱዕ ድንጺ ዘውጽእ ቩዚዙላ [ጥሩንባ] ሑዝካ ምእታው'ውን ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ዋንጫ ዓለም ተኸልኪሉ ኣሎ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ብርቱዕ ድንጺ ዘውጽእ ቩዚዙላ [ጥሩንባ] ሑዝካ ምእታው'ውን ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ዋንጫ ዓለም ተኸልኪሉ ኣሎ

ከም ጥይት ዘይኣትዎ ልብስን ኣብ ማርሻል ኣርት ወይ ጽንኩር ስፖርት ዝጥቀሙሉ ናይ ኣካላት ዕጥቂ ምግባር ወይ ምልባስ'ውን ብዘይ ሕክምናዊ ትእዛዝ ክልኩል እዩ።

ውሽጣዊ ኣካላቶም ዘርኢ ክዳውንቲ ዝተኸደኑ ደገፍቲ'ውን ናብ ስታድዩማት ከይኣትዉ ክእገዱ እዮም።

ኣብ ሞንጎ ጸወታ ዕርቓኖም ዝወጽኡን ውሽጣዊ ክፍሊ ኣካላት ዘቃልዑን "ዘይግቡእን ስርዓት ኣልቦን" ኣካይዳ ዘለዎም ሰባት'ውን ካብ ስታድዩማት ክወጹ ክሕተቱ እዮም።

እቲ ሕጊ፡ "ውቃጦ ኣካላት'ውን መተካእታ ክዳን ኣይኰነን" ብምባል ውቓጠኦም ከርእዩ ክብሉ ዕርቓኖም ንዝዀኑ'ውን እቲ ሕጊ ከምዘይንሕፎም ተገሊጹ።።

"ካብ ዝተመደበ ዓይኑ ምድሪ ወጻኢ ዝሸኑ" ተዓዘብቲ፡ ከምቶም ካብ ሕጊ እቲ ፍጻመ ወጻኢ ጐሓፍ ክድርብዩ፡ ንካሜራታት ጸጥታ ዝሽፍኑ ወይ ዘይፍቑዳት ባንዴራታት ክጥቀሙ ዝተረኽቡ ተመሳሳሊ ዕጫ ከጋጥሞም እዩ።

ዓቐን ባንዴራታት ካብ 2 ሜትሮ ብ 1.5 ሜትሮ ዘይዓብዩ ክዀኑ ኣለዎም።

 ኣብ ስታድዮም ሰልፊ ንምስኣከል ዘገልግል ዘንጊ ሒዝካ ምእታው'ውን ተኸልኪሉ ኣሎ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ስታድዮም ሰልፊ ንምስኣከል ዘገልግል ዘንጊ ሒዝካ ምእታው'ውን ተኸልኪሉ ኣሎ

ብዓሌት፡ ሕብሪ፡ ብሄር፡ ዜግነት፡ ማሕበራዊ ደረጃ፡ ጾታዊ ዝንባለ ወይ መግለጺ፡ ስንክልና፡ ቋንቋ፡ ሃይማኖት፡ ፖለቲካዊ ወይ ካልእ ርእይቶ፡ ብሃብቲ፡ ብትውልዲ ወይ ካልእ ደረጃ ኣብ ልዕሊ ሓንቲ ሃገር፡ ውልቀሰብ ወይ ጉጅለ ኣጸያፊ ወይ ኣድልዎ ዝፈጥር ፖለቲካዊ መልእኽቲ ወይ መልእኽትታት ዝሓዘ ዝኾነ ይኹን ባንዴራ፡ ባነር፡ ወረቐት ወይ ጨርቂ ብጥብቂ ክልኩል እዩ።

ምውጫጭ፡ ዘይግቡኣት ቃላት ምጥቓም፡ ምጽራፍ ወይ ንጸርፍን ንምንዓብን ዝዕድም ኣካላዊ ምንቅስቃስ ምግባር'ውን ካብ ጸወታ ምርኣይ ከአግድ ይኽእል'ዩ።

ብርቱዕ ድምጺ ዘውጽእ ከም ቩቬዜላ ዝኣመሰለ ጥሩንባ፡ ፊስካ ከምኡ ከኣ መጉልሒ ድምጺ ሒዝካ ናብ ስታድዮም ምስታው'ውን ኣይክፍቐድን'ዩ።

ናብ ስታድዮም ሒዝካዮም ክትኣቱ ትኽእል መሳርሒ ሙዚቋ'ኳ እንተሃለዉ፡ ኣቐዲምካ ፍቓድ ክትሓተሎም ግን ትግድድ ኢኻ።

እቲ ካልእ ናብ ስታድዮም ከይኣቱ ተኸልኪሉ ዘሎ ከም ፍሕኛ ዝኣመሰለለ ብቀሊሉ ተነፊሑ ፎኲስ ኩዕሶ ክኸውን ዝኽእል ፕላስቲካት'ዩ።