ኮሮናቫይረስ፡ ስፔንን ፈረንሳይን ብርቱዕ እገዳ ኣሕሊፈን

ኤፊል ታወር

ምንጪ ስእሊ, EPA

መግለጺ ስእሊ, ኤፊል ታወር
Published

ፈረንሳይን ስፐይንን፡ ንጣልያን ስዒበን ኣብ ልዕሊ ዜጋታተን ጽንኩር ዝበሃል እገዳታት ኣሕሊፈን።

ኣብ ስፐይን [ስጳኛ] ሰባት ምግብን መድሓኒትን ንምግዛእ ወይ ከኣ ናብ ናይ ስራሕ ቦታ ንክኸዱ እንተዘይኮኖም ካብ ገዘኦም ከይወጽኡ ተኣዊጁ።

191 ዜጋታታ በቲ ቫይረስ ዝተለኸፍዋ ስፐይን፡ ካብ ጣልያን ቀጺላ ብብርቱዕ ዝተጸለወት ሃገር ኮይና ኣላ።

91 ዜጋታታ በቲ ቫይረስ ኣብ ዝተለኸፍዋ ፈረንሳይ፡ ካፌታት፣ ቤት ብልዕን ሲኒማታትን ከምኡ'ውን መብዛኣሕተኦም ዱኳናት ተዓጽዮም እዮም ዘለዉ።

ካብ ዝኾነት ኤውሮጳዊት ሃገር ንላዕሊ፡ 1440 ሰባት በቲ ቫይረስ ዝሰኣነት ኢጣልያ፡ ካብ ዝሓለፈ ሰኑይ ጀሚራ ዜጋታታ ካብ ገዘኦም ከይወጽኡ ኣጊዳ እያ።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ኤውሮጳ ካብ ዝኾነ ከባቢ ዓለም ብዝኸፍአ መልክዑ፡ እቲ ቫይረስ ዝዝርገሐላ ዘሎ ከባቢ ከምዝኾነት ውድብ ጥዕና ዓለም ኣፍሊጡ እዩ።

ተወሳኺ ዓለማዊ መረዳእታ፡

  • ኣውስትራልያ ዝኾነ ካብ ወጻኢ ናብታ ዓዲ ዝኣቱ ሰብ ንርእሱ ን14 መዓልታት ፈለዩ ክጸንሕ ኣዊጃ
  • ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ኤውሮጳ ዘንበረቶ እገዳ መገሻ ካብ ዝቕጽል ሰሉስ ጀሚሩ ኣብ ልዕሊ እንግሊዝን ኣየርላንድን እውን ተግባራዊ ክትገብሮ እያ።
  • ኣብ ብሪጣንያ ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት ቁጽሪ በቲ ቫይረስ ዝሞቱ ሰባት ብዕጽፊ ስለዝወሰኸ፡ ገለ ተሪር ስጉምቲ ክውሰድ 200 ዝኾኑ ሊቃውንቲ እታ ዓዲ ደብዳበ ጽሒፎም።
  • ብሪጣንያ ብጣዕሚ ኣገዳሲ እንተዘይኮይኑ፡ ናብ ስፐይን ዝግበር ዝኾነ ጉዕዞ ጠጠው ክተብል ወሲና ኣላ።
  • ካናዳ ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ዜጋታታ ናብ ዓዶም ክኣትዉ ሓቲታ።
  • ቺሊ ብመርከብ ተጓዒዞም ዝመጽኡ 1300 ዜጋታታ ብሙለኦም ክውሸቡ ገይራ።
  • ኣብ እስራኤል ካብ ሎማዓንቲ ጀሚሩ ትካላት ንግዲ ይተዓጸው ተባሂሉ።
  • እቲ ቫይረስ ኣብ ዝጀመረላ ቻይና፡ ኣብ ደገ ተለኺፉ ዝመጽእ ብዝሒ ሰብ፡ ካብቲ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ሓድሽ ዝተለኽፈ ቁጽሪ ንፈለማ እዋን ክብ ኢሉ።
  • ደቡብ ኮርያ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሓደ ወርሒ ንፈለማ እዋን ሎሚ ካብ 100 ንታሕቲ በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ሓደሽቲ ተጠቃዕቲ [76] ዕላዊ ገይራ።