ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብኮሮና ቫይረስ ዝተጠርጠሩ ሰባት፡ ካብቲ ቫይረስ ነጻ ምዃኖም ተገሊጹ

ብሕማም ኮሮና ቫይረስ ዝተጠርጠሩ ኣርባዕተ ኢትዮጵያውያን፡ ብዝተገበረሎም ምርመራ ካብቲ ቫይረስ ነጻ ምዃኖም ከምዝተረጋገጸ ሚኒስትሪ ጥዕና ገሊጹ።
ቅምሶ ደም ናይቶም ዝተጠርጠሩ ኢትዮጵያውያን ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ከምዝተልኣኸ ዝገለጸ እቲ ሚኒስትሪ ጥዕና፡ እቲ ቫይረስ ኣብ ደሞም ከምዘይተረኸበ ሓቢሩ።
ብተመሳሳሊ ኣብ ሃገራት ኬንያን ኣይቮሪኮስትን በቲ ቫይረስ ተጠርጢሮም ዝነበሩ ሰባት፡ ካብቲ ቫይረስ ነጻ ምዃኖም እተን ሃገራት ገሊጸን።
ኣብ ኢትዮጵያ ብሕማም ኮሮና ቫይረስ ተለኺፎም ይኾኑ እዮም ዝተብሃሉ ኣርባዕተ ሰባት ከምዝተረኸቡ፡ ሚኒስትሪ ዲኤታ ጥዕና ዶክተር ልያ ታደሰ ገሊጻ ምንባራ ይዝከር።
እዞም ኣርባዕተ ሰባት ኢትዮጵያውያን ኮይኖም፡ እቶም ሰለስተ እቲ ቫይረስ ብብዝሒ ኣብ ዝተርኣየላ ዞባ ቻይና ዝኾነት ውሃን ክምሃሩ ዝጸንሑ እዮም።
እዞም ኣርባዕተ ሰባት ኣብ ፍሉይ ቦታ ፍሉይ ክንክንን ምክትታልን ይግበረሎም ከም ዝነበረ ዶክተር ልያ ታደሰ ገሊጻ ነይራ።
ካብዞም በዚ ሕማም ተለኺፎም ከይኮኑ ዝተጠርጠሩ እቶም ክልተ ስዓልን ረስንን ክርኣዮም እንከሎ፡ እቶም ክልተ ግን ዝኾነ ዝረአ ምልክት ከምዘይብሎም 'ዩ ተገሊጹ።
ዶክተር ልያ ታደሰ ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ብዝተገበረ መርመራ፡ ደሞም ካብ ሓሙሽተ ዓይነት ኮሮና ቫይረስ ነጻ ምጽንሑ ሓቢራ ነይራ።
ኣብ ኣህጉራዊ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ፡ ክሳብ ሕጂ ኣብ ልዕሊ 21 ሽሕ ገያሾ መርመራ ከም ዝተኻየደ እቲ ሚኒስትሪ ኣፍሊጡ።
ንመጀመርታ ግዘ ኣብ ቻይና ዝረተኣየ ኮሮና ቫይረስ ክሳብ ሕጂ ልዕሊ 200 ሰባት ክቐትል እንከሎ፡ ብደረጃ ዓለም ልዕሊ 10 ሽሕ ሰባት በዚ ሕማም እዚ ተለኺፎም ኣለዉ።
ብመሰረት ጸብጻብ ውድብ ጥዕና ዓለምን ሚኒስትርታት ጥዕና ሃገራትን ዝተረኸበ ሓበሬታ፡ እዚ ሕማም ካብ ቻይና ወጻኢ ኣብ ታይላንድ፡ ጃፓን ሕቡራት መንግስታተ ኣሜሪካ፡ ኣውስትራልያ፡ ሲንጋፑር፡ ታይዋን፡ ማሌዥያ፡ ደቡብ ኮርያ፡ ፈረንሳ፡ ቬትናም፡ ኔፓል፡ ካናዳ ካምቦድያ፡ ሲሪላንካን ጀርመንን፡ ብሓፈሻ 98 ሰባት በዚ ቫይረስ ምትሓዞም ተገሊጹ ኣሎ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኮሮና ቫይረስ እንታይ እዩ?
ሕማም ኮሮና ቫይረስ ቀሊልን ከቢድን ናይ ምስትንፋስ ጸገም ብምፍጣር፡ ክሳብ ሞት ከብጽሕ ዝኽእል ሕማም እዩ።
እዚ ሕማም ብዘይበሰሉ ምግብታት ከምኡ እውን ምስ በዚ ሕማም ዝተለኸፈ ሰብ ዝግበር ኣካላዊ ምትንኻፍን ብምህንጣስን ካብ ሰብ ናብ ሰብ ክመሓላለፍ ይኽእል።
ምልክታት እዚ ሕምም ድማ፡ ብርቱዕ ረስኒ፡ ሰዓልን ዝተቆራረጸ ምስትንፋስን እዩ።
በዚ ሕማም ዝተለኸፉ ሰባት'ከ እንታይ እዮም ክገብሩ ዘለዎም?
እዚ ኣብ ላዕሊ ዝጠቀስናዮ ምልክታት ምስ ዝስምዓኩም ኣብ ቀረባኹም ናብ ዝርከብ መደበር ጥዕና ምኻድ።
ናብተን እዚ ቫይረስ ዝተረኣየለን ሃገራት ጌሽኩም ትፈልጡ እንድሕር ኮንኩም ንብዓል ሞያ ጥዕና ምሕባር።
ኣብ ተሀንጥስሉ እዋን እቲ ሕማም ናብ ካልእ ሰብ ንከይመሓላለፍ ኣፍኩምን ኣፍንጫኹምን ብመንዲል ምሽፋን።
እቲ ዝተጠቀምናሉ መንዲል ወይ ሶፍት ኣብ እንዳ ጉሓፍ ምድርባይን ኢድና ወትሩ ብሳምና ምሕጻብን።
ናብ እዚ ሕማም ዝተረኣየለን ሃገራት ኣብ ትገሽሉ ክንገብሮ ዘለና ጥንቓቐ
ረስንን ናይ ስዓል ምልክትን ምስ ዘለዎ ሰብ ኣካላዊ ምትንኻፍ ዘይምግባር፡ ከይፈለጥኩም ምስ ትተናኸፉ ድማ ኣእዳውኩም ብሳሙና ምሕጻብ።
ዘይበሰለ ውጽኢት ስጋ ዘይምብላዕ።
ንዝሞቱን ብህይወት ዘለዉን እንስሳ ዘቤትን ዘገዳምን ዘይምትንካፍ።
ብዛዕባ እዚ ሕማም እኹል ኣፍልጦ ንክህልወና ንዝምልከቶም ኣካላት ምሕታት።







![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
