ተሓለቕቲ መሰላት፡ ኣብ ቤልጂምን ፈረንሳን ዝርከቡ ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ይርከቡ

Published

ኣብ ቤልጂምን ፈረንሳን ዝርከቡ ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ከም ዝርከቡን ሰብኣውን ሕጋውን ሓገዛት ከም ዘድልዮምን ተሓለቕቲ መሰላት ስደተኛታት ገሊጾም።

ሰብመዚ ፈረንሳ፡ ነቶም ኣብ ገማግም ካለይ ኣብ ግዝያዊ መዕቆቢ ዝነበሩ ይኹኑ፡ ኣብ ርእሰከተማ ፓሪስ ኣብ ተመሳሳሊ ተዓቚቦም ዝነበሩ ስደተኛታት ድሕሪ ምፍንቓሎም፡ ኩነታት ናይቶም ናብተን ውሑሳት ዝበልወን ሃገራት ክሰግሩ ዝደልዩ ስደተኛታት ኣንዳኸፍአ ከም ዝመጽአ ኤርትራውያን ተሓለቕቲ ንቢቢሲ ተዛሪቦም።

ወይዘሪት ፌቨን ሓደራን መንእሰይ እስማዒል ሙሳን፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ምስ ብጾቶም ብምውህሃድ፡ መግብን ልብስታትን ሒዞም ነቶም ኣብ ርእሰከተማ ብራስለስ፡ ቤልጂም፡ ኣብ ጎደናታት ዝነብሩ ዘለዉ ኤርትራውያን ከም ዝበጽሕዎምን፡ ብኩነታቶም ከም ዝተሻቐሉን ይገልጹ።

"ሃለዋቶም፡ ካብ እንስሳ ዘይሓይሽዩ፡ ክበጽሖም ከይደ እንከለኹ ብጣዕሚ'የ ሰንቢደ" ዝበለት ፌቨን ሓደራ፡ እቶም ኣብ ጎደናታት ዝርከቡ ስደተኛታት፡ እኹል ከም መግቢ፣ ዝስተ፣ ጽሬትን ዝበሉ መሰረታዊ ነገራት ኣይረኽቡን'ዮም ትብል።

እቲ ዝርካቡ ካብ ማሕበራት ግብረሰናይ ዝወሃቦምም ደገፍ ስሩዕ ኣይኮነን ጥራይ ዘይኮነ፡ ምስ ቁጽሮም ዘይመጣጠን ምዃኖም'ዮም እቶም ተሓለቕቲ ዝዛረቡ።

"ሕማቕ ኩነታት'ዩ፡ ኣብ መዋፈሪ ባቡራት'ዮም ዝቕመጡ" ይብል ነቶም ስደተኛታት ንምሕጋዝ ምስ ፌቨን ካብ ለንደን ንብራስለስ ተጓዒዙ ዝነበረ እስማዒል ሙሳ ብወገኑ።

እቲ ዝድቅሱሉ ቦታ፡ ጎሓፍ ዝእከበሉ፡ ኣገልግሎታት ጽሬት፡ ማለት መሕጸቢ ማይ ይኹን ሽቓቕ ስለዘይብሉ ንጥዕንኦም ሓደገኛ ኣብ ዝኾነ ኩነታት'ዮም ዝነብሩ ዘለዉ።

እቶም ስደተኛታት ባዕሎም፡ ቤተሰቦም ወይ መሓዙቶም፡ ኣብ ኣውሮጳ ምስ ኣተዉ ክጋጥሞም ዝኽእል ኣቐዲሞም ፈሊጦሞ ክመጹ ሓጋዚ ክኸውን ክኸውን ከም ዝእኽል እስማዒል ይምዕድ።

ንምሕጋዞም እንታይ ክግበር ኣለዎ?

እዞም ኣብ ካለይን ብራስለስን ኣብ ሓማቕ ኩነታት ዝርከቡ ህጹጽ ሳባዊ ሓገዛት ከም ዘደድልዮም እቶም ተሓለቕቲ ጸዊዖም።

ኣብ ከባቢኦም ዘለዉ ይኹን፡ ኣብተን ቀረባ ናይ ኣውሮጳ ሃገራት ዘለዉ ኤርትራውያን፡ ብውዱብ ይኹን ብውልቂ መግቢ፡ ክዳን ዝስተ፡ መንጸፍ፡ ከምዉ'ውን ንደቂ-ኣንስትዮን ቆልዑን ዘድልዩ ናይ ጽሬት ነገራት ከበርክቱ ተማሕጺኖም።

ኣብዚ ናይ ቀዝሒ ወቕቲ ብፍላይ፡ ገንዘብ ስለዘይብሎም ውዑይ ሻሂ ሒዝካ ምዃድ፡ ንእዋናዊ ድሌታቶም ምምላእ ጥራይ ዘይኮነ፡ ምስኦም ኴንካ ሻሂ ምስታይ ንባዕሉ ተገዳስነትካን ሓልዮትካን ዘርኢ ሞራል ዘስንቕ ክኸውን ከምዝኽእል'ዮም እዞም ተሓለቕቲ ዝዛረቡ።

"ምሑቋፍ" የድልዮም ዝበለ እስማዒል፡ መብዛሕትኦም ናኣሽቱ መንእሰያት ብምዃኖም፡ ዋላ ናብተን ውሑሳት ዝበሃላ ሃገራት ድሕሪ ምእታዎም፡ ኣጆኹም ዝብሎም ሰብ ይደልዩ'ዮም ይብል።

"ናብዚ ክመጹ ከለዉ፡ ኣብ ኣእምሮኦም ሕማቕ ስንብራት ዝገደፈ ተመክሮ ዘሕለፉ'ዮም፡ ብዙሕ ጭንቀት ኣለዎም። ስለዚ እቶም ድሮ ኣብ መላእ ኣውሮጳ ዘለና ሓንጎፋይ ኢልና ክንሓቑፎም፡ ኣነ ሓውኻ'የ ምሳኻ ኣለኹ ክንብሎም ኣለና።"

"እቲ ኣብ ውሽጦም ዘሎ ስንብራት ምፍዋስ'ዩ፡ ክንፍውሶ እንተኾና ድማ፡ ናብኦም ቀሪብና፡ ከመይ ይነብሩ ኣለዉ ምፍላጥ'ዩ። እታ ንእሽቶይ ዘላትና ምክፋል'ዩ።

"ኣብዚ ኣውሮጳ፡ ሰብ ናብ ሰብ ገዛ ብዙሕ ኣይከይድን'ዩ። እቲ ካብ ኤርትራ ዝመጽእ ዘሎ፡ ናብ ገዛኻ እንተ ኣምጺእካዮ፡ ከም ዓቢ ነገር'ዩ ዝርእዮ። ምኽንያቱ ናፍቖት ኣለዎም፡ ሓንቲ ስድራ ኣብ ገዛ ሓንቲ መዓልቲ 10 ሰባት እንተዓዲማ፡ እዛ ናይ ሓንቲ መዓልቲ እዛ ዓለም ኣብ ኢዶም ዝጨበጥዋ ኮይኑ'ዩ ዝስምዖም" ይብል እስማዒል።

ከምዚ ዓይነት መደባት ብውሑድ ዓቕሚ ይግበር ከም ዘሎ ብምጥቃስ ድማ፡ ኩሉ ሰብ ተሳቲፉ ብስሩዕ ዝካየደሉ መንገዲ ክናደ ኣለዎ ይብል።

ስለምንታይ'ዮም ኣብቲ ዘለዉዎ ዑቕባ ክሓቱ ዘይክእሉ?

እቶም ስደተኛታት፡ ኣብቲ ዘለውዎ ሃገር ዑቕባ ክሓቱ ዘይክእልሉ ምኽንያት ንምፍላጥ ነቶም ተሓለቕቲ ኣዘራሪብናዮም ኔርና።

ንሳቶም ከም ዝብልዎ፡ ናይ ስድራቤት ምትእስሳር ሓደ ካብ ቀንዲ ምኽንያት'ዩ። ንኣብነት ኣሕዋት ኮይኖም ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ፋሕፋሕ ኢሎም ካብ ምንባር ብሓደ ክኾኑ ምድላዮም ቅብል ባህጊ'ዩ በሃልቲ'ዮም።

"ናትና ኩነታት፡ ናይ ውግእ ዝዓይነቱ ኩነታት'ዩ ተፈጢሩ ዘሎ። ካብ ኤርትራ ክትወጽ እንከለኻ፡ ስድራኻ ገዲፍካ ኢኻ ትወጽእ፡ ድሕሪ ሓደ ዓመት ሓውኻ ይወጽእ፡ ድሕሪ ክልተ ዓመት ሓፍትኻ ትወጽእ።

"ፋሕፋሕ ኢኻ ትብል፡ ሓደ ብሱዳን ይወጽእ፡ ሓደ ብኢትዮጵያ፡ ሓደ ብጂቡቲ ይወጽእ። እቲ ስድራቤት ፍንጥሕጥሕ'ዩ ዝብል ዘሎ። ነዚ ተፈንጢሑ ዘሎ፡ ከመይ ጌርካ እንተ ወሓደ ናብ ሓደ ሃገር ተምጽኦ ዝብል ሓደ ዕላማ'ዩ ንገሊኦም" ይብል እስማዒል።

ኣብ ከም ብዓል ኢጣልያን ጀርመንን ዘጋጥሞም ዘሎ ምንጻግ፡ ወይ ድማ ከምዚ ጀርመን ክትህቦም ጀሚራ ዘላ ናይ 'ሰባዊ ሓልዮት' ዕቕባ፡ ረጊኦም ክነብሩ ስለዘይክእሉ፡ ናብተን ሕጋውን ማሕበራውን ውሕስነት ክንረኽበለን ንኽእል ኢና ዝብልወን ሃገራት ክሰግሩ ከም ዝፍትኑ'ዮም እቶም ተሓለቕቲ ዝምጉቱ።

ፌቨን ሓደራ ብወገና፡ እዞም ስደተኛታት ናብ ኣውሮጳ ክመጹ እንከለዉ፡ ናይ ቁጠባ ጸገማት ኣልይዎም ኣይኮኑን ሃገሮም ገዲፎም ብምባል፡ ንሂወቶም ውሕስነት ዝረኽቡሉ ቦታ ንምንዳይ'ዮም ከርተት ዝብሉ ዘለዉ ኢላ።

"ንዕኦም ውሑስ ዝኾነ ቦታ ንክረኽቡ፡ ኣኣብዘላናዮ ሃገራት ክንሓተሎም 'ፐቲሽን' [ጥርዓን] ክንጽሕፈሎም ኣለና።

"ሓንሳብ ከነእውየሎም ጥራይ ዘይኮ፡ ብቐጻሊ ክንጣበቐሎም'የ ዝላቦ። ነዞም ስደተኛታት ክሳብ ሕጂ ዋላሓንቲ ኣይገበርናሎምን'የ ዝብል፡ ኣብ ሊብያ፡ ሱዳን ኢትዮጵያ ዘለዉ ኢና ንብል። ግና እዚኦም'ውን እኮ፡ እቶም ካብ ሊብያ፡ ሱዳንን ኢትዮጵያን ዝመጹ'ዮም" ብምባል ኣብ ኣውሮጳ ምስ ኣተዉ'ውን ደገፍ ከም ዘድልዮም ትዛረብ ፌቨን።

ጠንቂ ዋሕዚ ስደት ኤርትራውያን፡ እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ግዱድን ገደብ ኣልቦን ሃገራዊ ኣገልግሎት ብሓደ ወገን፡ በቲ ካልእ ድማ ኣብታ ሃገር ዘሎ ምግሃስ ሰባዊ መሰላት ዜጋታት ምዃኑ ጸብጻባት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ይጠቕሱ።

ኤርትራ፡ "ብፍርሒ" እትመሓደር፡ ቅዋምን ሃገራዊ ባይቶን ዘይብላ ሃገር'ያ። ናይ ሕልናን ፖለቲካን እሱራት ድማ ኣብ ዝኾነ ናጻ ቤት ፍርዲ ኣይቀርቡእን'ዮም።

ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ፡ ምብዛሕኦም መንእሰያት ዝኾኑ ኤርትራውያን ሃገሮም ራሕሪሐም ናብ ስደት ኣምሪሖም ከም ዘለዉ ይፍለጥ።

ኩነታት ናይቶም ኣብ ካለይ ፈረንሳ ዘለዉ ስደተኛታት

እቲ ክሳብ ናብ ብሪጣንያ ዝሰግሩ ዝዕቆብሉ ዝነበሩ ብ'ጃንግል' ዝፍለጥ ግዝያዊ መጽለሊ፡ ብሰብመዚ ፈረንሳ ድሕሪ ምፍራሱ፡ እቶም ስደተኛታት ኣብ ጽርግያታት ክሰፍሩ ተገዲዶም ኣለዉ።

ገለ ገበርቲ ሰናይ፡ ንገለ ካብኣቶም፡ ብፍላይ ቆልዑ ዘለወን ደቂ-ኣንስትዮ ግዝያዊ መዕቆብን ክዳውንትን ብምሃብ ይተሓባበርዎም ከም ዘለዉ ፌቨን ሓደራ ገሊጻ።

ንሳን ብጾታን ናብቲ ቦታ ከይዶም ኩነታት ናይቶም ኣብ ፈቐዱኡ ፋሕ ኢሎም ዘለዉ መብዛሕትኦም ኤርትራውያን'ዮም ዝበለቶም ስደተኛታት ንምፍላጥን፡ ብዓቕሞም ሓገዛት ከይገብሩ ብሰብመዚ ከም ዝተኸልከሉ'ውን ጠቒሳ።

ኣብ ጥቅምቲ 2016 ሰብመዚ ፈረንሳ፡ ነቲ ኣስታት 8000 ስደተኛታት ዝቕመጥሉ ዝነበሩ ግዝያዊ መዓስከር ብምዕናዉ፡ ነቶም ስደተኛታት ከም ዘግዓዝዎም ይፍለጥ።

ኣብ ርእሰ-ከተማ ፓሪስ ዝነበረ፡ ግዝያዊ መዕቆቢ'ውን ብተመሳሳሊ መንገዲ ምስ ዓነወ፡ እቶም ሓተቲ ዕቑባ ናብ ቤልጂም ክኸዱ ከም ዝተገደዱ ጸብጻባት ይገልጹ።