ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ትሽዓተ ዓደንቲ ብእምኒ ተቐጥቂጦም ተቐቲሎም

Published

ኣብ ምዕራባዊ ግዝኣት ጆሃንስበርግ፡ ኣብ ዘይሕጋዊ ዕደና ተዋፊሮም ዝነበሩ ትሽዓተ ዓደንቲ፡ ብእምኒ ተቐጥቂጦም ከምዝተቐተሉ ተገሊፁ።

ፖሊስ ነቲ ቅትለት ንዝፈፀሙ ኣብ ቀይዲ ንከውዕል ይሰርሕ ኣሎ።

እአቶም ካብ ጎረቤት ሃገር ለሴቶ ዝመፅኡ ዓደንቲ፡ ሬስኦም ማቶሌቬሊ ኣብ ዝበሃል ጎደና'ዩ ተደርብዩ ተረኺቡ።

ካልእ ህይወቱ ከይሓለፈት ዝጸንሐ ግዳይ ከኣ ንሕክምና ድማ ናብ ሆስፒታል ተወሲዱ።

ብቋንቋ ዙሉ፡ ዕድሎም ዝፍትኑ ዝብል ትርጉም ዘለዎ ስያመ ዝሓዙ 'ዛማ ዛማ' ተባሂሎም ዝፍለጡ ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ዓደንቲ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ክፋላት እታ ሃገር ተዋፊሮም ይሰርሑ።

ዋላ እኳ ቅድሚ ሕጂ እዞም ሰባት ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ክሰርሑ ኣይግባእን ብዝብሉ ተነሓናሕቲ ጉጅለታት፡ ተደጋጋሚ ጎንፅታት የጋጥሙ እንተነበሩ፡ እዚ ናይ ሕዚ ፍፃመ ግና ዘስካሕክሕ ከምዝኾነ እዩ ዝግለፅ።

እዚ ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ፡ ፖሊስ ነቲ ከባቢ ምስ ከበቦ ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓት ከምዝተፈፀመ ተሓቢሩ።

ፖሊስ ምስዚ ጉዳይ ብዝተሓሓዝ ን87 ሰባት ኣብ ቀይዲ ብምእታው ይሓቶም እኳ እንተሎ ዛጊድ ግና ዕላዊ ዝኾነ ዝርዝር ሓበሬታ ኣይተረኽበን።

ኮሚሽነር ፖሊስ ግዝኣት ጉዋተንግ ጀነራል ኤልያስ ማዌላ፡ ነዚ ጉዳይ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ፡ "ነዚ ኣረሜያዊ ተግባር ንኹንኖ፤ ድሕንነት እዚ ከባቢ ንምውሓስን ፍትሒ ንምስፋንን ከኣ ለይትን ቀትርን ክንሰርሕ ኢና" ኢሉ፡ ።

"ሓደ ከረጋግፀልኩም ዝደልዮ ጉዳይ እንተልዩ፡ ፖሊስ ንጥርጡራት ክሳብ ዝኣስር ከምዘይድቅስ እዩ" ኢሉ እቲ ኮምሽነር።

እቲ ኮሚሽነር፡ ነዚ ቅትለት ንዝፈፀሙ ገበነኛታት ንምህዳን ኣብ ጆሃንስበርግ ተወሳኺ ሓይሊ ፖሊስ ንከዋፈር ጸዊዑ።

ኣብ ዓለም ከቢድ ገበናት ዝፍፀመላ ደበብ ኣፍሪቃ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ሓደ መዓልቲ ጥራሕ፡ ብውሑዱ 58 ቅትለታት ከምዝተፈፀሙ ጸብፃባት መንግስቲ የረድኡ።