ኣብ ልዕሊ ኣብ ዒራቕ ዝርከብ ኤምባሲ ኣመሪካ መጥቃዕቲ ሮኬት ተፈጺሙ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
Published
ኣብ ዋና ከተማ ዒራቕ፡ ባቕዳድ፡ ኣብ ዝርከብ ኤምባሲ ኣመሪካ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሮኬት ብውሑድ ሰለስተ ሰራሕተኛታት እቲ ኤምባሲ ቆሲሎም።
ናብቲ ኤምባሲ ሰለስተ ሮኬታት ዝተተኮሱ ኮይኖም፡ እቲ ሓደ ንካፍተሪያ እቲ ኤምባሲ ከምዝወቐዐን እቶም ክልተ ድማ ኣብ ቀረባ ርሕቐት ከምዝዓለቡን 'ኤኤፍፒ' ጸበጺቡ።
ከምዚ ዓይነት መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ሰራሕተኛታት ጉድኣት ክበጽሕ፡ ድሕሪ ነዊሕ ዓመታት ናይ መጀመርታ እዩ።
ነቲ መጥቃዕቲ ሓላፍነት ዝወሰደ ኣካል የለን፤ ኣመሪካ ግና ብኢራን ዝሕገዙ ሓይልታት ከምዝፈጸምዎ ትገልጽ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ዒራቕ አደል ዓብዱል ማህዲ ብወገኑ ነቲ መጥቃዕቲ ብምኹናን፡ እቲ ተግባር ነታ ሃገር ናይ ኩናት ዓውዲ ዝገብር ከምዝኾነ ገሊጹ።
መንግስቲ ኣመሪካ፡ ዒራቕ ናይ ዲፕሎማሰኛታቱ ድሕነት ክትሕሉ ጸዊዑ።



![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
