እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቻይና፡ ቁጽሪ እቶም ብኮረና ቫይረስ ዝሞቱ ሰባት 106 በጺሑ
Published
ቻይና፡ ቁጽሪ ብኮሮናቫይረስ ዝሞቱ ሰባት 106 ከምዝበጸሐን፡ በቲ ሕማም ዝተለኸፉ ሰባት ድማ ናብ 4515 ከምዓበየን ገሊጻ።
እታ ሃገር ነቲ ሕማም ንምቁጽጻር ዝጀመረቶ ናይ ምንቅስቓስ ክልከላ ድማ ኣጠናኺራ ቀጺላቶ ኣሎ።
ቻይና ነቲ ሕማም ንምቁጽጻር፡ ኣከባብራ ሓዱሽ ዓመታ 'ውን ብሰለስተ መዓልቲ ኣናዊሓቶ ነይራ እያ።
መበገሲት እቲ ሕማም ከምዝኾነት ዝንገረላ ከተማ ዉሃን፡ ሕዚ'ውን ተኸርዲና ከምዘላን ብዙሓት ከተማታት ድማ ናብታ ከተማ ዝግበር ጉዕዞ ከምዝኸልከላን ይግለጽ።
እቲ ሕማም ፡ ሓያል ናይ ምትንፋስ ጸገም ዘስዕብ ኮይኑ፡ ዛጊድ ዝኾነ ዓይነት መድሓኒት ይኹን ክታበት ኣይተረኸበሉን።
መብዛሕተኦም መወትቲ ድማ ብዕድመ ዝደፍኡ ወይድማ ዝጸንሐ ናይ ምትንፋስ ጸገም ዘለዎም እዮም።