ኬንያ ንደቡብ ሱዳን ብምስዓር ናብ ግጥማት መጻረዪ ፊባ ኣፍሮባስኬት 2021 ሓሊፋ

ምንጪ ስእሊ, FIBA/YOUTUBE
ኬንያ ብቐዳም ንደቡብ ሱዳን 74 ብ 68 ብምስዓር ናብ መጻረዪ ግጥም ዋንጫ ኩዕሶ ሰኪዐት ኣፍሪቃ 2021 (FIBA AfroBasket) ሓሊፋ።
ብቐዳም ኤርትራ ምስ ብሩንዲ፡ ታንዛንያ ምስ ሶማልያ ኣቐዲመን ክገጥማ ከለዋ፤ ብሩንዲ 101 ብ 54፡ ሶማልያ ድማ 101 ብ 84 ተዓዊተን።
ኣብቲ ካብ ሰሉስ ጀሚሩ ክካየድ ዝቐነየ ግጥማት ቅድመ መጻረዪ ዋንጫ ኩዕሶ ሰኪዐት ኣፍሪቃ ዞን 5፡ ብሩንዲ፣ ኤርትራ፣ ታንዛንያ፣ ሶማልያ፣ ኬንያን ደቡብ ሱዳንን ተሳቲፈን።
ኣብ ከምዚ ዝዓይነቱ ኣህጉራዊ ውድድር ንፈለማ እዋን ትሳተፍ ዘላ ኤርትራ ኣብ ዘካየደቶ ሓሙሽተ ግጥማት ብዘይምዕዋታ ካብቲ ምድብ ዝተሓተ ደረጃ ሒዛ'ያ ውድድራታ ዛዚማ።
ኣሰልጣኒ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትረ ኣቶ ተስፋኣለም ዘካርያስ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ኣብዚ ፈላሚ ውድድራቶም፡ ብዙሕ ተሞክሮታት ከም ዝቐሰሙ ተዛሪቡ።
ሓለቓ ጋንታ ኩዕሶ ሰኪዐት ኤርትራ ተመስገን ሰመረ ብወገኑ፡ እዚ ዓይነት ስፖርት ምስ ኩዕሶ እግሪ፣ ቅድድም ብሽክለታን ጉያን ብምውድዳር ኣብ ኤርትራ ብዙሕ ዝውቱር ከም ዘይኮነ ሓቢሩ።
ንሱ ወሲኹ "ናይ መጀመርታ ግዜና ክኸውን ይኽእል እዩ ግን እቲ ኣብዚ ንረኽቦ ተሞክሮ፡ እቲ ኣብዚ ነጥርዮ ጥበብ፡ ክሕግዘና'ዩ። ኣብ ዝመጽእ ዓመታት ካብዘን ኣብዚ ዝሳተፋ ዘለዋ ጋንታታት ዝበለጽና ከም እንኸውን ርግጸኛ'የ" ኢሉ።
ግጥማት ቅድመ መጻረዪ ፊባ ኣፍሮ ባስኬት 2021 ዞን 5፡ ኣብ ንያዮ ስተድዩም ከተማ ናይሮቢ እዩ ተኻይዱ።
መጻረዪ ግጥማት ፊባ ኣፍሮ ባስኬት 2021፡ ካብ ሕዳር 23 ክሳ ታሕሳስ 1 ክካየድ እዩ። ኣበይ ከም ዝካየድ ግና ዛጊት ኣይተፈለጠን።







![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
