እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ስቡሕ መልሓስ ኣብ እዋን ድቃስ ንዘጋጥም ጸገም ምስትንፋስ የቃልዕ
ሰባት ኣብ እዋን ድቃስ ትንፋስ ክሓጽሮም ወይ ክቆራረጾም ዝገብር ጸገም ምዝባዕ ድቃስ፡ ምስ ኣብ መልሓስ ዝእከብ ስብሒ ከምዝተሓሓዝ ሓደ መጽናቲ ኣመልኪቱ።
ኣብ ግዜ ድቃስ ትንፋስ ዝሓጽሮም [ስሊፕ ኣፕኖያ ዘለዎም] ሰባት፡ ክብደት ኣብ ዝነከዩሉ ኣብ መልሓሶም ዝተኣከበ ስብሒ'ውን ከምዝነከየን ኣብ ድቃሶም ምምሕያሽ ከምዝተረኣየን፡ ነቲ መጽናዕቲ ዘካየዱ ተመራመርቲ ሓቢሮም።
ልዕሊ ዓቐን ርጉዲ ዘለዎም ሰባት፡ ዓብይን ስብሒ ዘለዎን መልሓስ ክህልዎም ልሙድ እዩ።
ጉጅለ ተመራመርቲ ፐንሲልቫኒያ-ኣሜሪካ ከምዝበልዎ ግን፡ ልዕሊ ዓቐን ርጉዲ ዘይብሎም ሰባት'ውን ስቡሕ መልሓስ እንተልዩዎም፡ ግዳያት ዝተዛብዐ (ዘይምዕሩይ) ድቃስ ክኾኑ ይኽእሉ እዮም።
እቶም ተመራመርቲ፡ ርቕቕ ዝበለ መልሓስ ንኽህሉ ዘኽእሉ መግብታት ኣየኖት ከምዝኾኑ ንምንጻር ይሰርሑ ኣለዉ።
"ብመልሓስና ንዛረብ፣ ንበልዕን ነስተንፍስን - ብኸመይ ደኣ ስብሒ ክእከበሉ ክኢሉ?" ክብል ይሓትት ነቲ መጽናዕቲ ካብ ዘካየዱ ሓደ ዝኾነ ዶክተር ሪቻርድ ሽዋብ ካብ ፐርልማን ቤት ትምህርቲ ሕክምና።
"እቲ ምኽንያት ንጹር ኣይኮነን፤ ብዘርኢ ወይ ከኣ ብክሊማዊ ኩነታት ክኸውን ይኽእል'ዩ። ግን ድማ ዝተሓተ መጠን ስብሒ ዘለዎ መልሓዝ ኣብ እዋን ድቃስ ዝተሓተ ናይ ምዕጻፍ ኣጋጣሚ ኣለዎ" ክብል ኣረዲኡ።
ኣብ እዋን ድቃስ ዘጋጥም ናይ ምስትንፋስ ምቁርራጽ [ስሊፕ ኣፕኖያ] ኣብ ድቃስ ምሕርናኽ፣ ከቢድ ድምጺ ዘለዎ ኣተነፋፍሳን ዓወጽወጽ ምባልን ከስዕብ ይኽእል።
ኣብ ቀትሪ'ውን ደቃሲ ክገብረካ ይኽእል፤ እዚ ድማ ኣብ ህይወትካ ጽልዋ የሕድር።
ኣብ እዋን ድቃስ ዝረኣይ ምቁርራጽ ትንፋስ [ስሊፕ ኣፕኖያ] እዋን ሰባት ምስ ደቀሱ እቲ ላዕለዋይ ትቦ ኣየር ብምሉእ ወይ ብኽፋል ክዕጸው ከሎ ዝኽሰት'ዩ።
ልዕሊ ዓቐን ርጉዲ፣ ዓብዪ ክሳድ ወይ ሓናት ዘለዎም ሰባት ብቐሊሉ ነዚ ጸገም ክቃልዑ ይኽእሉ።
ኣብ ግዜ ድቃስ ዝረኣይ ምቁርራጽ ትንፋስ [ስሊፕ ኣፕኖያ] ከመይ ምክልኻል ይከኣል?
- ልዕሊ ዓቐን ርጉዲ እንተሃልይኩም ንምንካይ ጸዓሩ
- ብጎኒ ደቅሱ - ፍልይ ዝበለ መተርኣስ'ውን ተጠቐሙ
- ምትካኽ ሽጋራ ደው ኣብሉ
- ልዕሊ ዓቐን ኣልኮላዊ መስተ ኣይትውሰዱ፤ ብፍላይ ቅድሚ ድቃስ
- ብሕክምና እንተዘይተኣዚዝልኩም መደቀሲ ክኒና ኣይትውሰዱ
ኣብ ግዜ ድቃስ፡ ከቢድ ዝበሃል ምቁርራጽ ወይ ሕጽረት ትንፋስ [ስሊፕ ኣፕኖያ] እንተልይኩም ግን ናብ ሕክምና ክትኸዱ ይግባእ።
ተወሰኽቲ ንምንባብ