ሓደ ኬንያዊ ሰባኻይ ንሰበይቱ ብኻራ ድሕሪ ምውግኡ ርእሱ ቀቲሉ

Published
ንባብ: 1 ደቓይቕ

ሓደ ኬንያዊ ሰባኻይ፡ ኣብ ውሽጢ ቤተክርስትያኑ፡ ንብዓልቲ ቤቱ ብኻራ ድሕሪ ምውግኡ፡ ኣብ መስበኺ መድረኽ ('ፑልፒት') ንገዛእ ርእሱ ቀቲሉ።

እታ ንሱን ብዓልቲቤቱን ዝመስረትዋ ቤተ ክርስትያን፡ ኣብ ወደባዊት ከተማ ሞምባሳ እትርከብ'ያ።

ኣባላት ናይታ ቤተ ክርስትያን፡ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ፡ ኤሊሻ ሚሲኮ፡ ብሰንበት ኣብ ዝነበረ መደብ፡ ኣብ ቅድሚት ኮፍ ኢሉ ነይሩ።

ጸኒሑ ድማ፡ ናብታ ኣብ መድረኽ (ፑልፒት) ዝነበረት ብዓልቲ ቤቱ ብምኻድ፡ ኣብ ትሕቲ ካምችኡ ሓቢእዎ ብዝነበረ ካራታት ወጊኡዋ።

ብድሕሪኡ ድማ፡ ንባዕሉ ኣብ ከብዱ ድሕሪ ምውጋእ፡ ጎረርኡ ሓሪዱ።

በቲ ፍጻመ ዝሰንበዱ ኣመንቲ፡ ናብቲ መድረኽ እኳ እንተጎየዩ ከድሕንዎም ግን ኣይከኣሉን።

እቲ ሰባኺ፡ ብኡንብኡ ኣብቲ መድረኽ ሂወቱ ከትሓልፍ እንከላ፡ ብዓልቲ ቤቱ ድማ ኣብ ሆስፒታል ምስ በጽሐት ዓሪፋ።

ደይሊ ኔሽን ዝበሃል ጋዜጣ እታ ሃገር ከም ዝጸብጸቦ፡ ክልቲኦም ሰብ ሓዳር ተፈላልዮም ከም ዝነበሩን፡ ነቲ ቤተክርስትያን መን የካይዶ ኣብ ዝብል ምስሕሓብ ዝጸንሖም'ዮም።

ኣብቲ ቦታ ከምልኹ ዝመጹ ኣመንቲ ብዛዕባ'ቲ ዝራኣይዎ ዘስካሕክሕ ፍጻመ ንጋዜጠኛታት ተዛሪቦም።