ኣብ መርመራ መምርሒ ፍቓድ መኪና ንኣዲኡ መሲሉ ዝተፈተነ ብራዚላዊ ተኣሲሩ

ምንጪ ስእሊ, Military Police handout
Published
ኣብ ሰሜን ብራዚል፡ ኣዲኡ ንምምሳል፡ ኣለባብስኡ ቀይሩ፡ ኣብ መርመራ መምርሒ ፍቓድ መኪና ዝተፈተነ ወዲ 43 ዓመት፡ ብራዚላዊ፡ ሄትሮ ስኪያቮ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ።
ጓል 60 ዓመት ኣዲኡ፡ ማርያ፡ ነቲ መርመራ ሰለስተ ግዜ ክትወስዶ ከላ ክትሓልፍ ብዘይምኽኣላ እዩ ወዳ ነቲ መርመራ ክፍተነላ ዝወሰነ።
ነዚ ክውን ንምግባር ድማ፡ ብዕምበባታት ዘጌጸ ክዳን ለቢሱ፡ ሜክኣፕን ሰብ ሰርሖ ጸጉርን ብምግባር ኣብቲ መርመራ ዝካየደሉ ስፍራ ብምርካብ ነታ ናይ መርመራ መኪና ክዝውር ክኢሉ ነይሩ።
እንተኾነ ግና፡ እታ ነታ መኪና ትዝውር ዝነበረት ሰበይቲ ኣብቲ መለለዪ መንነት ዘላ ሰበይቲ ከም ዘይኮነት ምጥርጣራት ተላዒሉ።
መርማሪ ኦሊን ሜንዶነካ "እቲ ውልቀሰብ፡ ኣዲኡ ንምምሳል ዝኽእሎ ኩሉ ገይሩ'ዩ፤ ኣጽፋሩ ተለኽዩ፡ ብሜክኣፕ ገጹ ኣመላኺኡ፡ ናይ ደቂ ኣንስትዮ መጋየጺታት ገይሩ ኣሎ" ኢሉ።
በዚ ድማ ካልእ ሰብ ንምምሳል ብዝገበሮ ናይ ምትላል ገበን ፖሊስ ጠርጢሩ ኣብ ቀይዲ ኣእትይዎ ኣሎ።
ኣብ ቀይዲ ዝርከብ ስኪያቮ፡ ኣዲኡ ብዛዕባ እቲ ውጥኑ ትፈልጥ ከም ዘይነበረት ተዛሪቡ።


![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
