እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኡጓንዳ፡ ብውሑዱ 16 ሰባት ብውሒጅ ተወሲዶም
ገበርቲ ሰናይ ማሕበር ቀይሕ መሰቀል ኣብ ኡጋንዳ ብሰንኪ ውሕጅ ንዝትጎድኡ ሓገዝ ኣብ ምግባር ይርከቡ፡፡
ኣብቲ ከባቢ ሓያል ዝናብ ብምዝናቡ ኣስታት 16 ሰባት ብውሑጅ ከምዝሞቱ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ሓቢሩ።
ሰራሕተኛታት ህይወት ኣድሕን ህይወት ኣብ ምዕራብ ቡንዲቡግዮ በቲ ውሕጅ ዝተወሰዱ ሰባት ኣብ ምድሓን ከምዝርከቡ እቲ ጉጅለ ሓገዝ ገሊጹ።
መንበሪ ኣባይቲ ብውሕጅ ተወሲዶም፡ ብርክት ዝበሉ መንገድታት ድማ ተዓጽዮምን ዓንዮምን ይርከቡ።
ሎምቕነ ኣብ ዝበዝሐ ክፋል ምብራቕ ኣፍሪካ ውሕጅን ምህማም መሬትን ተራእዩ። ኣማኢት ሞይቶም፡ ሚልዮናት ድማ ተመዛቢሎም።
እዚ ተርእዮ ምስ ኣብ ህንዳዊ ውቅያኖስ ዘሎ ዘይልሙድ ኩነታት ኣየር ቀጥታዊ ምትሕሓዝ ከምዘለዎም እዮም ክኢላታት ኩነታት ኣየር ዝሕብሩ።
እዚ ከምዚ እንከሎ ኣብ ሶማልያ እውን ብሰንኪ ብርቱዕ ማዕበልን ንፋስ ዝተሓወሶ ዝናብን ብዙሓት ሰባት ካብ ቤት ንብረቶም ተመዛቢሎም ይርከቡ።
ኣብ ዝበዝሐ ክፋል ኤጓንዳ ንሰሙናት'ዩ ዝናብ ክዘንብ ቀንዩ።
ፖሊስ፣ ምክልኻል፣ትካላት ገበርቲ ሰናይን ኣባላት ማሕበረሰብን ጉድኣት ኣብ ዝበጽሐሉ ብርክት ዝበሉ ኸባቢታት ስራሓት ምድሓን ህይወት ከካይዱ ቀንዮም።
ኣብ ምዕራባዊ ኡጋንዳ ዝርከብ ገጠራት እቲ ቀንዲ ዝተሃሰየ ከባቢ ኮይኑ ካብን ናብን ዘራኽብ መስመራት መጓዓዝያ ከምዝተቋረጸ ዜና ኤ ኤፍ ፒ ይገልጽ።
ወለንታውኣን ገበርቲ ሰናይ ብውሕጅ ዝተወሰዱ ሰባት ኣብ ምእካብ ከምዝርከቡን፡ ኣብ እምባታት ቡንዲቡጋዮ ኣብ ገረብ ካካዋ ዝተዓቖቡ ሰባት የውጽኡ ከም ዘለዉ ዝገልጽ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ነቲ ኩነታት "ኣዝዩ ዘሕዝን" ክብል ገሊጽዎ።
ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ምብራቃዊ ክፋል እታ ሃገር ከቢድ ዝናብ ዘስዓቦ ምህማም መሬት ብዙሓት ሰባት ምማቶም ዝዝከር'ዩ።
ምቁጽጻር ሓደጋታት ኡጋንዳ ሰባት ኣብ ውሕጅ ዝመልአ መንገድን ቢንቶን ከይጓዓዙን መኪና ከይዝውሩን፡ ካብ ከባቢታት ሩባን ኣፅዳፍን ድማ ክርሕቑ ምዒዶም።