ሓደ ስነጥበባዊ፡ 120 ሽሕ ዶላር ዝዋግኡ ሙዝ በሊዑ

Published
ንባብ: 1 ደቓይቕ

ኢጣልያዊ ስነጥበበኛ ማውሪዝዮ ካቴላን፡ ሚያሚ ኣብ ዝርከብ ሓደ ጋለሪ፡ ጥበባዊ ስርሑ ንምርኢት ኣቕሪቡ ነይሩ።

ኣብቲ ቦታ ዘቕረቦ ድማ "ቀያዓይ" (ኮሜድያን) ዝብል ኣርእስቲ ዝሃቦን፡ 120 ሽሕ ዶላር ዝተሸጠሉን ጥበባዊ ስርሑ እዩ። ንሱ'ውን፡ ብመጣበቒ ላስቲክ ኣብ መንደቕ ዝተጠቀዐ ዝበሰለ ሙዝ (ባናና) እዩ ነይሩ።

ነዚ ሙዝ እዩ እምበኣር፡ ሓደ ካልእ ስነጥበባዊ ካብቲ ዝተጠቀዐሉ መንደቕ ኣልዒሉ በሊዕዎ።

ነቲ ሙዝ ዝበልዖ ዴቪድ ዳቱና ዝበሃል ጥበባዊ፡ በዓልሞያ 'ፐርፎርማንስ ኣርት' ክኸውን ከሎ፡ ነቲ ሙዝ እናበልዐ ዘርእይ ቪድዮኡ "ዝጠመየ ስነጥበባዊ" ብዝብል ኣርእስቲ ዘቕረቦ ምርኢት ምዃኑ ብምግላጽ ኣብ ኢንስታግራም ጠቂዕዎ።

"ነዚ ናይ ማውሪዝዮ ካቴላን ጥበባዊ ስራሕ ኣዝየ እየ ፈትየዮ። ኣዝዩ ጥዑም እዩ" ድማ ኢሉ።

ዴቪድ ነቲ ንጥበባዊ ምርኢት ዝቐረበ ሙዝ ምስበልዖ፡ ሰራሕተኛታት ፈለማ ተቖጢዖም ነይሮም። ዳሕራይ ግን ብኻልእ ሙዝ ተኪኦምዎ፡ ዝተወሰደ ስጉምቲ'ውን ኣይነበረን።

ነቲ ሙዝ ቀይሮም ንምርኢት ከቕርብዎ ዘኽእሎም ሕጋዊ ፍቓድ ስለዝነበሮም፡ ብዙሕ ጸገም ኣይተፈጠረን።

"[ዴቪድ] ነቲ ናይ ጥበብ ስራሕ ኣየዕነዎን። እቲ ሓሳብ እቲ ሙዝ እዩ" ኢሉ ዳይረክተር ናይቲ ጋለሪ።

ጸኒሑ ግን፡ ነቲ ዝተተከአ ሙዝ ክሕልዉ ፖሊስ ኣብቲ ቦታ ተመዲቦም።