ሎሚ ኣብ ከተማ ድሬዳዋ ዝተወልዐ ሓድሽ ጎንጺ ጉድኣት በጺሑ

ሎሚ ኣብ ከተማ ድሬዳዋ ብዘጋጠመ ጎንጺ ኣብ ሰባት ጉድኣት ከምዝበጽሐ ተገሊጹ።
ቀበሌ 6፣ ቀፈራ ደቻቱን መጋላን፣ ኣብ ቀበሌ 5 ገንዳ ኣዳ፣ ከምኡ'ውን ቀበሌ 09 ገንዳ ጋራ ዝበሃላ ከባብታት፡ ኣብ ከተማ ድሬዳዋ ብተደጋጋሚ ጎንጺ ዝኽሰተለን ከባብታት ምዃነን፡ ተወካሊ ሓላፊ ጉዳያት ኮምዩኒኬሽን ምምሕዳር ድሬዳዋ፡ ኣይተ ሚከኤለ ንቢቢሲ ገሊፆም።
ካብ ዝሓለፈ 30 ጥቅምቲ ጀሚሩ ኣብታ ከተማ ጎንጺ ከምዝነበረ ዝተዛረቡ እቶም ሓላፊ፡ ትማልን ሎሚዓትን ድማ፡ እቲ ጎንጺ ዳግም ደጊሱ፡ ጉድኣት ከምዝበጽሐ ተዛሪቦም።
ሎሚ ኣብ ዘጋጠመ ጎንጺ"ማእኸላይን ከቢድን ጉድኣት በጺሑ እዩ ዝበሉ ኣይተ ሚከኤለ፡ ቀሊል ጉድኣት ዝበጽሖም፡ ኣብ ሆስፒታል ተሓኪሞም ከምዝተመለሱ ሓቢሮም።
ካብ ፖሊስ ኮነ ካብ ሆስፒታል ናይ ሞት ሓደጋ ከምዝበጽሐ ሓበሬታ ከምዘይበጽሖም ዝተዛረቡ እቶም ሓላፊ፡ ኣካላት ጸጥታ ነቲ ጎንጺ ንምእላይ ይሰርሑ ከምዘለዉ ተዛሪቦም።
ባህርያት እቲ ጎንጺ ተለዋዋጢ እዩ ዝበሉ ኣይተ ሚከኤለ፡ ኣብ ሓደ ከባቢ ዘጋጠመ ጎንጺ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር እንክውዕል፡ ኣብ ካልእ ከባቢ ካልእ ጎንጺ ከምዝውላዕን፡ ሙሉእ ብሙሉእ ንምቁፅፃር ኣጸጋሚ ከምዝኾነን ተዛሪቦም።
እቲ ጎንጺ ናይ ሃይማኖትን ብሄርን ዓይነት ንምትሓዝ ፈተነታት ከምዘለዉን፡ ጥፍኣተኛታት ኣብ ቀይዲ ናይ ምውዓል ተግባር ተጠናኺሩ ከምዝቕጽል ገሊጾም።
እቲ ዘጋጠመ ጎንጺ ካብ መሓውር ጸጥታ ንላዕሊ ከምዘይኮን፡ ካብ ኣካላት ጸጥታ ምምሕዳር እቲ ከተማ ብተወሳኺ፡ ፖሊስ ፌደራልን ሰራዊት ምክልኻል ሃገርን ከምዝተዋፈረ ተዛሪቦም።
ነዚ ኣጋጢሙ ዘሎ ጎንጺ ንምቁፅፃር ኩሉ ሓቢሩ ይሰርሕ ከምዘሎ ብምሕባር፡ ሕብረተሰብ ብማሕበራዊ ሚድያ ይላባዕ ካብ ዘሎ ስኑዕ ሓበሬታ ንባዕሉ ክሕሉ ተማሕጺኖም።
መንቀሊ እቲ ጎንጺ እንታይ እዩ ንዝብል፡ ንምጽራይ ይሰርሑ ከምዘለዉ ካብ ምግላጽ ሓሊፎም ዝበልዎ የለን።
ብሰንኪ እዚ ጎንጺ ዘጋጠመ ሓፈሻዊ ጉድኣት ንምዝራብ፡ መረዳእታታት ምእካብ ከምዘድሊ ዝሓበሩ ኣይተ ሚከኤለ፡ ኣብ ዝሓለፈ 30 ጥቅምቲ ኣብ ዝነበረ ጎንጺ ግን ትሽዓተ ሰባት ተጎዲኦም እዮም ኢሎም።







![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
