እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቦሊቭያዊት ሰናተር ጂያኒን ኣነዝ ንባዕላ ግዝያዊት ፕረዚደንት ገይራ ሸይማ
Published
ተቓዋሚት ኣባል ላዕለዋይ ሽማግለ (ሰናተር) ጂያኒን ኣነዝ፡ ምልቃቕ ፕረዚደንት ሞራለስ ስዒቡ፡ ንባዕላ ግዝያዊት ፕረዚደንት ቦሊቭያ ገይራ መዚዛ።
ኣርቀቕቲ ሕጊ ፕረዚደንት ሞራለስ ይመርሖ ዝነበረ ሰልፊ ግን ነቲ መረጻ ንምክያድ ምልኣተ ጉባኤ ኣይተማለአን ነይሩ ብምባል ተቓዊሞምዋ ኣለዉ።
ጂያኒን ኣነዝ ግን ብመሰረት ቅዋም እታ ሃገር ቀጺላ ፕረዚደንት ክትከውን እትኽእል ንሳ ከምዝኾነት ገሊጻ። ኣብ ቀረባ መረጻ ከምእተካይድ 'ውን ሓቢራ።
እቲ ናብ ሜክሲኮ ተሰዲዱ ዘሎ ፕረዚደንት ሞራለስ ድማ ንተግባር እታ ሰናተር ኮኒኑ።
ንሱ ናብ ሜክሲኮ ዑቕባ ረኺቡ ከይዱ ዘሎ ንህይወቱ ስለዝሰግአ ከምዝኾነ ተዛሪቡ።
ላዕለዋይ ቅዋማዊ ቤት ፍርዲ ቦሊቭያ ነታ ሰናተር ደጊፍዋ ኣሎ።