ሰለስተ ተዋሳእቲ ኣብ ዝዋስኡሉ መድረኽ ብኻራ ተወጊኦም

ምንጪ ስእሊ, Reuters
Published
ሰለስተ ኣባላት ጉጅለ ተዋስኦ፡ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ምርኢት የቕርቡ ኣብ ዝነበሩሉ መድረኽ እናሃለዉ ብካራ ከምዝተወግኡ ተገሊጹ።
ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝተለጠፈ ቪድዮ፡ ርያድ ኣብ ዝርከብ ኣደራሽ መዘናግዒ ንጉስ ዓብደላ፡ ሓደ ስብኣይ ካራ ሒዙ ናብቶም ኣብ መድረኽ ዝነበሩ ተዋሳእቲ እንትጎዪ የርኢ።
ሓደ ሰብኣይ ድማ ኣጓይዩ እንትሕዞን እቶም ተዋሳእቲ ድማ ካብ መድረኽ እንትሃድሙን 'ውን ይረአ።
ጸብጻባት ከምዝበልዎ እቶም ሓደጋ ዝበጸሖም ክልተ ደቂ ተባዕትዮን ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲን ተዋሳእቲ ዝርከብዋ ጉጅለ ካብ ካልእ ሃገር ዝመጽአት'ያ።
ዜግነቶም ግን ብንጹር ኣይተገለጸን።
እቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸመ ሰብኣይ ከምዝተኣሰረን እቶም ተዋሳእቲ ድማ ኣብ ደሓን ኩነታት ከምዘለዉን ቴሌቪዥን እታ ሃገር ኣቃሊሓ።
ስዑዲ ዓረብ ኣብ ዝተፈላለዩ መዘናግዒታት ዝነበራ ጥቡቕ ሕጊ እናላሕለሐት መጺኣ እያ።
ምኽንያት እቲ መጥቃዕቲ ዛጊት ኣይተገለጸን።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
