እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ፕረዚደንት ቦሊቭያ ኢቮ ሞራለስ ብሜክሲኮ ዝቐረበሉ ዑቕባ ተቐቢሉ
Published
ካብ ስልጣኑ ብፍቓዱ ዝወረደ ፕረዘደንት ቦሊቭያ ኢቮ ሞራለስ፡ ነቲ ካብ ሜክሲኮ ዝቐረበሉ ፖለቲካዊ ዑቕባ ብምቕባል ካብ ሃገሩ ወጺኡ።
ንሱ ብድሕር'ቲ መረጻ እታ ሃገ ዝተወለዐ ናዕቢ ምኽንያት እዩ ካብ ስልጣኑ ክወርድ ተገዲዱ።
ካብታ ሃገር ምውጻእ ኣዐርዩ ከምዘሕዘኖ ኣብ ትዊተር ገጹ ዝገለጸ ኮይኑ፡ እንተኾነ ብሓዱሽ ''ወነን ጥንካረን'' ከምዝምለስ ሓቢሩ።
ሚኒሰተር ጉዳያት ወጻኢ ሜክሲኮ እቲ ፕረዚደንት ብነፋሪት መንግስቲ ሜክሲኮ ናብታ ሃገር ከምዝኣተወ ኣረጋጊጹ ኣሎ።
ኣዛዚ ሰራዊት ቦሊቭያ ድማ፡ ወታሃደራቱ ምስ ደገፍቲ ሞራለስ ይጓነጽ ንዘሎ ፖሊስ ክሕግዙ ኣዚዙ።
ኣብቲ ጎንጺ ዛጊት ከባቢ 20 ሰባት ጉዳኣት ከምዝበጸሖም ተገሊጹ ።
ፕረዚደንት ሞራለስ ደገፍቱ ነቶም ብሓይሊ ካብ ስልጣን ክወርድ ዝገበርዎ ክከላኸሉዎም ጸዊዑ ነይሩ እዩ።
ምክትል ሓላፊት ሰኔት እታ ሃገር መረጻ ክሳብ ዝካየድ ከምመሰጋገሪ ፕረዚደንት ኮይና ከምእትገልግል ገሊጻ ኣላ።
ሓረስታይ ካካዎ ዝነበረ ኢቮ ሞራለስ ኣብ 2006 ዓ.ም.ፈ እዩ ፕረዚደንት ኮይኑ ተመሪጹ።