ኣሜሪካ ኣብ ውሽጢ ርእሲ ብወልፊ ዝተጠቕዑ ሰባት መሳርሒ ክትተክል'ያ

ምንጪ ስእሊ, WVU Medicine hospital
ጄሮድ ቡክሃተር ዝተበሃለ ወዲ 33 ዓመት ኣሜሪካዊ 'ኦፒዮይድ' ዝተበሃለ ሓሽሽ ወልፊ ካብ ዝሕዞ ልዕሊ 10 ዓመታት ኣቑጺሩ'ሎ። ነቲ ናይ ወልፊ ድልየታቱ ንምግታእ ድማ፡ ብሕክምናዊ መጥባሕቲ ኣብ ውሽጢ ርእሱ መሳርሒ ተገጢሙሉ።
ነዚ ሕክምና ዝመርሕ ዶከተር ኣሊ ረዛይ፡ በዚ ሕክምና መጥባሕቲ ብዙሓት ሰባት ኣብ ውሽጢ ርእሶም ንኢሽተይ መሳርሒ ከም ዝተተኸለሎም ብምግላጽ፡ ን "ንሓንጎል ሰላም ዜስፍን" መሰራሒ ክብል ይገልጾ።
በቲ ሕክምና ሽክና ርእሲ ብንኢሽተይ ምስተበስዐ ሓደ ሚሊሜርት ንውሓት ዘለዋ ንኢሽተይ መሳርሒ ናብ ሓንጎል (ኣእምሮ] ክትኣትው ይግበር። እዛ መሳርሒ ድማ ሰባት ካብ ወልፊ ክቑጠቡ ከም እትሕግዝ ይግለጽ።
'ዲፕ ብረይን ስቲሙሌሸን' ዝተበሃለት እዛ ደቃቕ መሳርሒ ካብ ቤት ዕዮ ቁጽጽር መግብን ኣፋውስን ኣሜሪካ ኣፍልጦ ረኺባ'ያ።
እዚ ዓይነት ሕክምና፡ ብዘይካ ነቶም ወልፊ 'ኦፒዮይድ' ዘለዎም ሰባት፡ ካልኦት ን'ፓርኪንሰንስ' [ኣካላትካ ናይ ዘይምቁጽጻር ጸገም ጥዕና]፣ ዘውድቕ ሕማምን ካልእን ከም ዝውዕል ተገሊጹ'ሎ።
ብወልፊ ዝተጸገሙን ብኻልእ ሕክምና ክሓውዩ ዘይከኣሉን ሰባት ነዚ ሓድሽ ኣማራጺ ክጥቀሙ ዶክተር ኣሊ ጸዊዑ።

ምንጪ ስእሊ, WVU MECIDINE HOSPITAL
"ልዕሊ ፍርቂ ካብ ግዳያት ወልፊ፤ ዳግም ናብቲ ወልፊ ይምለሱ" ዝብል እቲ ዶክተር፡ ነዚ ውጽኢታዊ ዝኾነ ፍታሕ ምምጻእ ኣገዳሲ ከም ዝኾነ ተዛሪቡ።
እዚ መሳርሒ ናብ ሓንጎል ሰባት ክኣትው ምግባር ኣብ ጥዕና ከስዕቦ ዝኽእል ጉድኣት ኣመልኪቱ ሕቶ ቀሪቡ እዩ።
ዶክተር ኣሊ ግን "ብዛዕባ ሓንጎል ዝግበር መጽናዕቲ ብቴክኖሎጂ ክድገፍ ምኽኣሉ ብጣዕሚ ጽቡቕ ከም ዝኾነ እሓስብ" ዝብል መልሲ ሂቡ።









![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
