ኣብ ምዕራባዊ ካሜሮን ዘጋጠመ ምህማም መሬት ምኽንያት ሞት ልዕሊ 30 ሰባት ኮይኑ

Published

ኣብ ካሜሮን ትማሊ ሰኑይ ብዘጋጠመ ምህማም መሬት ብዉሕደዱ 37 ሰባት ከምዝሞቱን ካልኦት ብዙሓት ተዓቢጦም ክህልዉ ከም ዝኽእሉን ሰበስልጣን ሓቢሮም።

ሰራሕተኛታት ህይወት ኣድሕን፡ ድሕሪ ሓያል ዝናብ ብጭቃ ኣብ ዝተዓበጡ ገዛውቲ ዝተቐበሩ ሰባት ንምድሓን ይጓየዩ ኣለዉ።

ናይቲ ከባቢ ኣመሓዳሪ፡ ፎንካ ኣዋ ኦግስቲን፡ ነበርቲ፡ መንግስቲ ንዘሕለፎ መጠንቀቕታ ብዘይምስማዕ፡ ውሕስ ዘይኮኑ ገዛውቲ ክሃንጹ ምጽንሖም ይዛረብ።

ካብቲ ስሩዕ ዝኾነ እዋን ዝናብ ብዝተፈለየ፡ ብርቱዕ ዝናብ ይቕጽል ከም ዘሎ ሮይተርስ ጸብጺቡ።

"ምሸት ሰዓት 4፡00 ኣ.ኢ ድምጺ ሰሚዐ" ክብል ውጻእ'ቲ ሓደጋ ዝኾነ ኣልበርት ኬንጌ ንሮይተርስ ተዛሪቡ።

"ከቢድ ዶሮና ክሽፈን ከሎ ርእየ። እቲ ጎቦ ክሃምም ከሎ'ውን ርእየ" ኢሉ።

እቲ ግዳያት ናይ ምእላሽ ስራሕ ቀጺሉ ስለዘሎ ቁጽሪ ዝሞቱ ሰባት ክውስኽ ከም ዝኽእል ሰበስልጣን ስግኣቶም ገሊጾም።