ኣብ መቐለ ሰለማዊ ሰልፊ ንምክያድ: ምምሕዳርን መራሕቲ ሰልፍን ተዋጢጦም

Published

ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ርክብ ህዝብን መንግስትን ምምሕዳር ከተማ መቐለ: ኣይተ ዘመንፈስቅዱስ ፍስሃ ንቢቢሲ ከምዝገለፅዎ: ምምሕዳር ከተማ መቐለ ሰለማዊ ሰልፊ ንኸይካየ ኣጊዱ ብዝብል ኣብ ማሕበራዊ መራኸብቲ ዝተዘርገሐ ሓበረታ ፍፁም ጌጋ እዩ ኢሎም::

ኣይተ ዘመንፈስ "ብፍላይ ካብ ሰብ ሕድሪ ዝቐረበልና ሕቶ የለን: ኣይከልከልናን እውን" ኢሎም::

ይኹን እምበር ኣቦመንበር ስቪላዊ ማሕበር ሰብ ሕድሪ ኣይተ መሓሪ ዮሃንስ: "ተምሃሮ ዩኒቨርሲቲ ሓደጋ ናብ ዝወርዶም ከባብታት ኢትዮጵያ ክኸዱ ኣይግባእን" ዝብል መበገሲ ዝገበረ ሰልፊ ፅባሕ ቀዳም ኣብ ከተማ መቐለ ንምክያድ ቅድሚ ሰለስተ መዓልታት: ንቤት ፅሕፈት ከንቲባ መቐለ: ንኮምሽን ፖሊስን ቤት ፅሕፈት መጓዓዝያን ብፅሑፍ ከምዝፈለጠ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዘካየዶ ቃለ መሕተት ሓቢሩ::

ብተመሳሳሊ "ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮ ዝበፅሕ ዘሎ ጥቕዓት ይኾኖ!" ዝብል ጭርሖ ዘምረሐ ሰለማዊ ሰልፊ ሰንበት ኣብ ከተማ መቐለ ከምዝካየድ ኣብ ማሕበራዊ መራኸብቲ ብስፍሓት ጎስጓስ ክካየደሉ ከምዝቐነየ ይፍለጥ::

ኮይኑ ግና ምምሕዳር ከተማ መቐለ ንቲ ሰለማዊ ሰልፊ ስለዝተቓወመ ከምዘይካየድ ኣብ ማሕበራዊ መራኸብቲ ይግለፅ ኣሎ::

ኣይተ ዘመንፈስ ፍስሃ ብዛዕባ እዚ ተሓቲቶም እንትምልሱ " ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮ ዝወርድ ጥቕዓት ደው ይበል ዝብል መሪሕ ሓሳብ ዝቃወሞ ሰብ ክህሉ ኣይኽእልን: ድምፀን ብሰላማዊ ሰልፊ ንኸካይዳ ዝሓተታ ተወከልቲ ድማ ሕቶኽን ብፅሑፍ ኣቕርባ እየን ተባሂለን እምበር ኣይተኸልከላን" ኢሎም:

ሰለማዊ ሰልፊ ምክያድ መሰል ህዝቢ እዩ ዝበሉ ኣይተ ዘመንፈስ: ኣብ ልዕሊ ህዝብን ኣብቶም ሰልፈኛታት ሓደጋ ዘውርድ ስግኣት እንትህሉ ክኽልከል ከምዝኽእል ገሊፆም: ኣብዚ ቀዳመሰንበት ግና ሰልፊ ንዘይምክያድ ዝገትእ ኣገዳዲ ኩነት ስለዘየለ ኣይከልከልናን ኢሎም::

ኣብ መወዳእታ ሰለማዊ ሰልፊ ንምክያድ ሓቲቱ ዝተኸልአ ኣብ ዘየለሉ እዋን: ኣቐዲሙ ሰልፊ ንምክያድ ዘይሓተተ ፅባሕ ወፂኡ ዝስለፍ እንተሃልዩ ግን ሕጋዊ ኣይኾውንን እንትብሉ ኣፍሊጦም::

መንግስቲ ነቲ "ዘይሕጋዊ" ዝበልዎ ሰልፊ ናይ ምቁፅፃር ሓላፍነት ከምዘለዎ ድማ ክፍለጥ ኣለዎ ኢሎም::