ኢትዮጵያ፡ ኣብ ሻምፒዮና ዓለም ማራቶን ብደቂ ተባዕትዮ ድሕሪ 18 ዓመት ወርቂ ረኺባ

ምንጪ ስእሊ, Sam Barnes
ኢትዮጵያ፡ ኣብ ኳታር ዶሃ ይካየድ ኣብ ዘሎ መበል 17 ኣህጉራዊ ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ፡ ኣብ ውድድር ማራቶን ብደቂ ተባዕትዮ፡ ኣትሌት ሌሊሳ ዴሲሳ ብዘመዝገቦ ዓወት፡ ድሕሪ 18 ዓመት ወርቂ ረኺባ።
ትማሊ ቀዳም ፍርቂ ለይቲ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ማራቶን ኣትሌት ሌሊሳ ዴሲሳ ቀዳማይ፣ ሞስነት ገረመው ድማ ካልኣይ ኮይኖም ውድድሮም ብምዝዛም ንኢትዯጵያ ሜዳሊያ ወርቅን ብሩርን ኣምጺኦም።
ኢትዮጵያ ኣብ 2001 ዓመተ ፈረንጂ ኣብ ካናዳ ኤድመንተን ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ማራቶን፡ ኣትሌት ገዛሀኝ ኣበራ ቀዳማይ ወጺኡ ወርቂ ምርካባ ይዝከር።
ሌሊሳ 2፡10፡40 ብዝኾነ ሰዓት ውድድሩ እንትዛዝም፡ ናይ ባዕሉ ናይዚ ዓመት ብሉጽ ውጽኢት ኣመዝጊቡ።
ኣብዚ ውድድር ንምስራት ልዑል ምድላው ከም ዝገበረ ዝዛረብ ኣትሌት ሌሊሳ፡ "ንኣርባዕተ ወርሒ ዝኸውን ይዳሎ ነይረ፤ ብፍላይ ኣብ ከም ኣዳማ ዝበሉ ሙቐት ዘለዎም ቦታታት ልምምድ ገይረ'የ" ኢሉ።
"እዚ ዓወት ድማ፡ ናተይ ጥራሕ ዘይኮነ ናይ መላእ ኢትዮጵያዊ ዓወት'ዩ" ኢሉ።
ኣብዚ ውድድር ካልኣይ ዝወጽአ ሞስነት ገረመው ብወገኑ፡ "ወርቂ ክረክብ'የ ኢለ ነይረ፤ ግን ድሕሪ ፍርቂ ውድድር ኣብ ጎነይ ሕማም ይስምዐኒ ስለ ዝነበረ፡ ሌሊሳ በይኑ ከይተርፍ ኢለ እቲ ውድድር ክዛዝሞ ተገዲደ" ኢሉ።

ምንጪ ስእሊ, Maja Hitij
ኬንያዊው አሞስ ኪፕሩቶ፡ ሳልሳይ ኮይኑ ሜዳሊያ ነሓስ ረኺቡ'ዩ።
እዚ ውድድር እናፈራረቑ ዝመርሑ ዝነበሩ ኣትሌት ዘርኢሰናይ ታደሰ ዝርከቦም ኣትሌታት ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ኬንያን ኢንግሊዝን ኮይኖም፡ ካብዚኦም ሓዲኦም ወርቂ ክረኽቡ ትጽቢት ተገይሩ ነይሩ። ይኹን'ምበር ዘርኢ ሰናይ ታደሰ ሻድሻይ ኮይኑ'ዩ ውድድሩ ዛዚሙ።
73 ኣትሌታት ኣብ ዝተሳተፍሉ ውድድር ማራቶን፡ ካብዚኦም ኢትዮጵያዊ ኣትሌት ሙሌ ዋሲሁን ዝርከቦም 18 ተቐዳደምቲ ኣቋሪጾም ወጺኦም።
ኣብ ፈላሞት መዓልታት እቲ ኣብ ዶሃ ዝካየድ ዘሎ ውድድር ተሳተፍቲ ዝነበራ ደቂ ኣንስትዮ [ኢትዯጵያውያን]፡ ብምኽንያት ኩነታት ኣየር እታ ሃገር ውድድረን ከቋርጻ ተገዲደን'የን።
ኣብዚ ውድድር፡ ኢትዮጵያ ብዝረኸበቶ በዝሒ ሜዳሊያ ኣብ ሓምሻይ ደረጃ ትርከብ።
ክሳብ ሕጂ፡ ክልተ ወርቂ፣ ኣርባዕተ ብሩርን ሓደ ነሓስን ረኺባ ኣላ። ኣሜሪካ፣ ኬኒያ፣ ጀማይካን ቻይናን ሰደቓ ኣትሌቲክስ እቲ ውድድር ዝመርሓ ዘለዋ ሃገራት'የን።










![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
