እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኒውዚላንድ፡ ካብ ዝመውት ድሕሪ ክልተ ወርሒ ኣብ መደቀሲኡ ዝተረኽበ ተማሃራይ ዩኒቨርስቲ
Published
ኣብ ኒውዚላንድ፡ ሬሳ ሓደ ተማሃራይ ዩኒቨርስቲ፡ ክልተ ወርሒ ድሕሪ ምምዋቱ ተረኺቡ።
ንሱ ተማሃራይ ዩኒቨርስቲ ካንተርበሪ ክራይስት ቸርች ዝነበረ ኮይኑ፡ እቲ ሬሳ ዝተረኽበ፡ ጎረባብቲ ካብቲ ገዝኡ ብዛዕባ ዝወጽእ ጨና ጥርዓን ድሕሪ ምቕራቦም እዩ።
ንመንነት 'ቲ ስሙ ዘይተገለጸ ግዳይ ንምልላይ፡ መርመራ ፖሊስ ኣድላዪ ከም ዝነበረ ተገሊጹ።
ናብ ሞት ዘብጽሖ ምኽንያት እውን ገና ኣይተፈለጠን ኣሎ።
እቲ ዩኒቨርስቲ ብሞት ናይ'ቲ ተማሃራይ ቀዳማይ ዓመት ከም ዝሓዘነ ገሊጹ።
ምክትል ቻንስለር እቲ ዩነቨርስቲ ቸርይል ደ ላረይ "እዚ ካብቲ ንተምሃሮና እንህቦ ሓፈሻዊ ክንክን ሓሊፉ ከምዚ ምግጣሙ ክንግምቶ ኣጸጊሙና ኣሎ" ኢላ።
እቲ ክስተት መርመራ ይካየደሉ ኣሎ።
ሚኒስተር ትምህርቲ ኒውዚላንድ፡ ክሪስ ሂፕኪንስ "እቲ ዩኒቨርስቲ ደቂቕ መርመራ ክገብር ከም ዝደልይ" ገሊጹ።
"ገንዘብካ ከፊልካ ኣብ መዕረፊ ኣጋይሽ ክትኣቱ ከሎኻ፡ ነቲ መጽለሊ [ህንጻ] ጥራይ ኣይኮንካን ትከፍል እንኮላይ ነቲ ምስኡ ክትረኽቦ ዝግባእ፡ ሓልዮት እዩ። ኣብዚ ግን እዚ ዝጎደለ ይመስለኒ" ኢሉ።