ቤት ማእሰርቲ 'ማእከላዊ' ንበጻሕቲ ክፉት ኮይኑ

Published

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ፍሉጥ ቤት ማእሰርቲ 'ማእከላዊ' ህዝቢ እናኣተወ ክርእዮ ክፉት ኮይኑ።

ብኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ፡ ካብ ሎሚ ዓርቢ ጀሚሩ ክሳብ 4 ጳጉሜን ንበጻሕቲ ክፉት ኮይኑ ከምዝቕጽል ቤት ጽሕፈት ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ ኢትዮጵያ ገሊጹ።

እዚ 'ማእከላዊ' እናተባህለ ዝፍለጥ ቤት ማእሰርቲ፡ ኣብ ልዕሊ እሱራት 'ብዙሕ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት' ዝፍጸመሉ ዝነበረ ምዃኑ ይዝረብ።

ፕረዚደንት ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኢትዮጵያ መዓዛ ኣሸናፊ ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ዑደት ኣካይዳ።

እቲ ቤት ማእሰርቲ እንታይ ከምዝመስል፡ ኣብዞም ስእልታት ተዓዘቡ።