መንግስቲ ኬንያ፡ ልዕሊ 60 ሺሕ ዜጋታት ካብ መረበቶም የመዛብል ኣሎ

Published
ንባብ: 1 ደቓይቕ

መንግስቲ ኬንያ፡ ቀንዲ ምንጪ ማይ እታ ዓዲ ተባሂሉ ዝእመነሉ ዓብይ ዱር ካብ ብርሰት ንምድሓን፡ ልዕሊ 60 ሽሕ ዜጋታት ካብ መረበቶም የመዛብል ኣሎ።

መንግስቲ ኬንያ እዚ ስጉምቲ ዝወስድ ዘሎ፡ ኣብ እዋን ክረምቲ ሓያል ዝናብ ኣዕቚሩ፡ ኣብ እዋን ሓጋይ ድማ ነቶም ቀንዲ ሩባታት እቲ ዓዲ ይምግብ እዩ ተባሂሉ ዝእመነሉ 'ማው ፎረስት' ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዱር ካብ ብርሰት ንምድሓን እዩ።

በዚ ምኽንያት እዩ ድማ፡ ልዕሊ 60 ሽሕ ዜጋታቱ ካብ መረበቶም ብሓይሊ ነቒሉ ናብ ካሊእ ከመዛብሎም ይሰርሕ ዘሎ።

መንግስቲ፡ እቶም ተመዛበልቲ፡ ተሓራሲ መሬት ንምድላይ፡ ካብ ሕጊ ወጻኢ መሬት ከምዝወረሩን፡ ሰፊሕ ዱር ከምዘብረሱን ድማ ይኸሶም።

እቶም ተመዛበልቲ ብተወከልቶም ኣቢሎም ንትልሚ'ቲ መንግስቲ ክቃወምዎ ጸኒሖም እዮም።

ዕጡቓት ፖሊስን ሰራሕተኛታት ሓለዋ ከባብን፤ ነቶም ዜጋታት ካብቲ ከባቢ ናይ ምልዓል ስጉምቲ ሓቢሮም ይወስዱ ከምዘለዉ ይዝረብ።

በዚ ዝተልዓለ፡ ትማሊ ሰኑይ፡ ከባቢ 31 ኣብያተ ትምህርቲ ተዓጽየን ዝወዓላ እንክኸውን፡ ነዚ ስዒቡ ኣስታት 10 ሽሕ ተምሃሮ ካብ ትምህርቶም ተሞናግዮም ተባሂሉ።

ነባሪ እቲ ከባብን ተወከልቲ ናይቲ ከባቢ ህዝብን፡ ኣብ ዘተን ምምኻርን ዘይተመሰረተን ሃንደበታውን ስጉምቲ ክብሉ ነቲ ስጉምቲ ነቒፈምዎ።