እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሴካፋ ትሕቲ 15፡ ሎሚ ኤርትራ ምስ ኬንያ ወሳኒ ግጥም ክህልዋ’ዩ
እቲ ንፈለማ እዋን ዝካየድ ዘሎ ግጥማት ኩዕሶ እግሪ ማእከላይን ምብራቕን ኣፍሪቃ ትሕቲ 15 ዓመት ካብ ዓርቢ 16 ነሓሰ ጀሚሩ ኣብ ከተማ ኣስመራ ይካየድ ኣሎ።
ኣብ ምድብ ሓደ ኣብ ሳልሳይ ደረጃ እትርከብ ኤርትራ ናብ ዝቕጽል ዙር ንምሕላፍ ወሳኒ ዝኾነ ጸወታ ሎሚ ምስታ ኣብ ቅድሚት ተሰሪዓ ዘላ ኬንያ ክተካይድ'ያ።
ኣብቲ 11 ሃገራት ክሳተፋሉ ትጽቢት ተገይርሉ ዝነበረ ውድድር፡ ጅቡቲ ብምንስሓባ፡ 10 ሃገራት ኣብ ክልተ ምድባት ተደላዲለን ዛጊት ዝበዝሓ ሃገራት ሰሰለስተ ግጥማት ኣካይደን ኣለዋ።
ኣብ መኽፈቲ ብዓርቢ ምስ ብሩንዲ ዝገጠመት ኤርትራ ኣብ ፈለማ ኣይቀንዓን፡ 2 ብ 1 እያ ተሳዒራ። ብሰሉስ ምስ ሱዳን ኣብ ዝነበራ ግጥም ግና ጉደለታታ ኣመሓይሻ ኣብ ልዕሊ ሱዳን 6 ብ 0 ተዓዊታ።
ኣሰልጣኒ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ትሕቲ 15 ዓመት ኣቶ መኮነን ዘውዴ ድሕሪ እቲ ጸወታ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ብራኸ ናይ ኣስመራ ከም ዝጠቐሞም ገሊጹ።
"ካብ ታሕቲ [ብራኸ] ስለ ዝመጹ ነቲ ኩነታት ኣየር ከም ዘይኽእልዎ ፈሊጥና ነታ ኩዕሶ ክነቀላጥፋ ኢና ፈቲንና። ስለዘቀላጠፍናያ ከኣ ክቆጻጸሩና ኣይከኣሉን"
በዚ መሰረት ኤርትራ ካብ ክልተ ጸወታታት ሰለስተ ነጥብን ሓሙሽተ ጸብለልታ ሸቶን ሒዛ፡ ሎሚ ምስታ ኣብቲ ምድብ [ምድብ ሓደ] ብጸብለልታ ሸቶ ቀዳመይቲ ተሰሪዓ ዘላ ኬንያ ክትገጥም እያ።
ንሶማል 3 ብ 1 ብምስዓር ዝፈለመት ኬንያ ኣብ ልዕሊ ሱዳን 4 ብ 0 ድሕሪ ምዕዋት ምስ ብሩንዲ ማዕረ 1 ብ 1 ተፈላልያ ካብ ሰለስተ ጸወታታት ሸውዓተ ነጥብን ሽዱሽተ ጸብለልታ ሸቶን ኣዋህሊላ፡ ኣብ ምድብ ሓደ ላዕለዋይ ስፍራ ሒዛ ኣላ።
ኣብቲ ምድብ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ተሰሪዓ ዘላ ብሩንዲ'ውን ዛጊት ኣብ ዘካየደቶ ሰለስተ ጸወታታት ክልተ ሳዕ ስዒራ ሓንሳብ ማዕረ ወጽኣ፡ ሸውዓተ ነጥብን ክልተ ጸብለልታ ሸቶን ኣዋህሊላ ኣላ።
ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ሎሚ ሰዓት 4፡30 ድሕሪ ቀትሪ ምስ ኬንያ ኣብ ዝህልዋ ግጥም ክትዕወት ከም ዘድልያ ኣሰልጣኒኣ ኣቶ መኮነን ይገልጽ።
"ዘላትና ዕድል ሓንቲ እያ፤ ንኬንያ ስዒርና ኢና ናብ ቅድሚት ክንመጽእ እንኽእል። ኬንያ እንተ ስዒራትና ወይ ማዕረ እንተወጺና ግን፡ ንሳ እያ ቀዳምነት እትሕዝ። ክንስዕራ ክንፍትን ኢና፡ ክንፍትን ኢና ጥራይ ዘይኮነ ከኣ ክንስዕራ ኢና ዝብል እምነት ኣሎኒ" ኢሉ።
ኣብ ምድብ ክልተ እትርከብ ኢትዮጵያ ብዩጋንዳ 3 ብ 0 ድሕሪ ምስዓራ ምስ ደቡብ ሱዳን 1 ብ 1 ተፈላልያ እኳ እንተነበረት ትማሊ ብሩዋንዳ 3 ብ 0 ድሕሪ ምስዓራ ናብ ዝቕጽል ዙር ክትሓልፍ ከም ዘይትኽእል ርጉጽ ኮይኑ ኣሎ።
ኣብቲ ምድብ ዛጊት ከክልተ ጸወታታት ጥራይ ዘካየዳ ርዋንዳን ዩጋንዳን ሸሽዱሽተ ነጥቢ ብምሓዝ ብጸብለልታ ሸቶ ተፈላልየን ቀዳመይትን ካልኣይትን ኮይነን ተሰሪዐን ኣለዋ።
እተን ብሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝፍለጣ ኬንያ፡ ብሩንዲ፡ ዩጋንዳን ርዋንዳን ኣብቲ ጸወታታት ብሓፈሻ ደሚቐን ይረኣያ ኣለዋ።