እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ዚምባብዌ ተነቢሩ ዘሎ ቁጠባዊ እገዳ ንኽልዓል ጻውዒት ኣቅሪበን
ዓሰርተ ሽዱሽተ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ዚምባብዌ ተነቢሩ ዘሎ ቁጠባዊ እገዳ ''ብህጹጽ ክለዓል'' ንኣመሪካን ሕብረት ኤውሮጳን ጻውዒት ኣቕሪበን።
ኣቦ ወንበር ልምዓት ሃገራት ደቡባዊ ኣፍሪቃ፡ ፕረዚደንት ታንዛንያ ጆን ማጉፉሊ፡ እቲ እገዳ ነቲ ዞባ ይሃስዮ ከም ዘሎ ኣመልኪቱ።
እቲ ቁጠባዊ እገዳ ኣብ 2002 ፕረዚደንት ሮበርት ሙጋበ ኣብ ስልጣን እንከሎ እዩ ተነቢሩ።
ፕረዚደንት ዚምባብዌ ኢመርሰን ምናንጋግዋ ብወገኑ፡ እቲ እገዳ ንምዕባለ እታ ሃገር ብኣሉታ ከም ዝጸለዎ ኣመልኪቱ።
ንሱ ከም ዝበሎ፡ እቲ ንኣስታት ዕስራ ዓመታት ዝጸንሐ ቁጠባዊ ተነጽሎ እንተብቂዑ፡ ምዕራባውያን ኣውፈርቲ ክስሕብ ከም ዝኽእልን፤ ቁጠባ እታ ሃገር ክበራበር ከም ዝኽእልን ኣገንዚቡ።
ዚምባብዌ፡ ብሰንኪ ሓያል ቁጠባዊ ዝቕባበ፡ ከምኡ ድማ ብሕጸረት ኤለትሪክ፤ ማይን ነዳድን ዝኣምሰሉ መሰረታውያን ነገራት ተናዊጻ ከም ዘላ ይግለጽ።
ኣብዚ እዋን፡ እቲ ቁጠባዊ ዝቕባበ ኣብ ዝለዓለ ጥርዙ በጺሑ ዘሎ ኮይኑ፡ መሃያ እናወሓደ፡ ብኣንጻሩ ዋጋ ባኒ ካብ ሚያዝያ ጀሚሩ ብ5ተ ዕጽፊ ወሲኹ ይርከብ።
ኣስታት 5 ሚልዮን ደቂ ዚምባብዌ ድማ ዋሕዲ መግቢ ኣንጸለልይዎም ከም ዘሎ ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ እዩ።
ኣብ ወርሒ መጋቢት፡ ምምሕዳር ኣመሪካ 'ፖለቲካዊ ለውጢ ክሳብ ዝመጽእ' ብምባል ነቲ ቁጠባዊ እገዳ ንሓደ ዓመት ኣናዊሕዎ።
ፕረዚደንት ምናንጋግዋ፡ ሰራዊት እታ ሃገር ንሙጋበ ብዕልዋ ምስ ኣለይዎ እዩ ናብ ስልጣን ደይቡ።
ንሱ ናብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ፡ በቲ ዝወሰዶ ቁጠባዊ ፖሊስታቱ ሓያለ ተቃውሞታት ክገጥሞ ጸኒሑ'ሎ።
ዝሓለፈ ሰሙን፡ ኣብ ርእስ ከተማ ሃራረ ኣንጻር መንግስቲ ተቃውሞ ዘስምዑ ዝነበሩ ሰልፈኛታት፤ ፖሊስ እታ ሃገር ብሓይሊ በቲንዎም እዩ።
እቲ እገዳ እንታይ እዩ
ኣመሪካ፡ ኣብ ልዕሊ ብዙሓት ሓለፍቲ ሰልፊ ዛኑ-ፒኤፍ፡ ሰበስልጣን ምንግስትን ወተሃደራትን፡ ከምኡ ድማ ኣብ ልዕሊ ብመንግስቲ ዝውነና ትካላት ቁጠባዊ እገዳ ኣምቢራ ኣላ።
ሕብረት ኤውሮጳ'ውን ብወገኑ ኣብ ልዕሊ ፕረዚደንት ነበር ሮበርት ሙጋበን ሰበይቱን፡ ከምኡ ድማ ብመንግስቲ ዝንባብዌ ኣብ ልዕሊ ዝውነና ናይ ምክልኻል ኩባንያታት እገዳ ኣምቢሩ ኣሎ።