ዙር ፈረንሳ፡ መድረኽ 20፡ ብሰንኪ ምህማም መሬትን ኩነታት ኣየርን፡ ብ 71 ኪሜ ሓጺሩ

Published

ቀዳም ዝኻየድ መበል 20 መድረኽ ዙር ፈረንሳ፡ ብሰንኪ ምህማም መሬትን ሕማቕ ኩነታት ኣየርን፡ ብ 71 ኪ.ሜ ከም ዝጎድል ተገይሩ።

እቲ ካብ ኣልበርትቫይል ናብ ቫልቶረንስ ዝካየድ ናይ ጎቦታት ውድድር ኣብ ክንዲ 130 ኪ.ሜ፡ 59 ኪ.ሜ ርሕቀት ክሽፍን እዩ።

ናይ ዓርቢ ውድድር'ውን ብሰንኪ መሸንቦባ በረድን ምህማም መሬትን፡ 20 ኪ.ሜ ምስተረፈ ከም ዝቋረጽ ተገይሩ እዩ።

ዛጊት ተቐዳዳሚ ኢኖስ፡ ኤጋን በርነል ኣብ ልዕሊ ጁልያን ኣላፊሊፕ (ጋንታ ኲክ ስቴፕ) 48 ካልኢት ብምንጻፍ ነቲ ውድድር ይመርሖ ኣሎ።

ወዲ ጋንትኡ ገረይንተ ቶማስ'ውን ሓደ ደቒቕን 16 ካልኢትን ድሒሩ ኣብ ሳልሳይ ተሰሪዑ ኣሎ።

ድሕሪ እቲ ንሎሚ [ቐዳም] ተተንብዩ ዘሎ ከቢድ ኩነታት ኣየርን ምህማም መሬትን፡ መበል 20 መድረኽ ዙር ፈረንሳ [ካብቲ ተወጢኑ ዝጸንሐ] ገለ ለውጥታት ከም ዝተገበረ ወደብቲ እቲ ውድድር ኣፍሊጦም።

ቻምፕዮን ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ 2019 ዝኾነ ናትናኤል ብርሃነ፡ ኣብቲ ውድድር ዝሳተፍ ዘሎ እንኮ ጸሊም ኣፍሪቃዊ እዩ።

ንሱ ኣብ ዓስራይ መድረኽ ብዘርኣዮ ብቕዓት ዝበለጸ ኣጥቃዓይ ተባሂሉ ተሸሊሙ እዩ።

ንመበል 106 ግዜ ዝካየድ ዘሎ ቱር ዲ ፍራንስ 2019፡ 6 ሓምለ ዝጀመረ ኮይኑ ሰንበት 28 ሓምለ ካብ ራምቦይለት ናብ ፓሪስ ቻምፕስ-ኤልሲስ ብዝካየድ ናይ ጎልጎል ውድድር ክዛዘም እዩ።