"መግለጺ ንህብ ዘለና ሰባት'ውን ክንእሰር ንኽእል ኢና" ምክትል ዓቃቢት ሕጊ ክልል ኣምሓራ

ባህር ዳር
Published

ቤት-ጽሕፈት ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ ክልል ኣምሓራ ድሕሪ እቲ ብኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ 15 ሰነ 2011 ዘጓነፈ ፍጻመ፤ ገና ጥርጡራት ኣብ ቀይዲ የውዕል ከምዘሎ ገሊጹ።

ዛጊድ ልዕሊ 220 ጥርጡራት ኣብ ቀይዲ ከምዝወዓሉን፡ ዓቀብቲ ሕጊ ፌደራልን ክልልን፡ ከምኡ ድማ መርመርቲ ኣብቲ ናይ ምጽራይ ከይዲ ይሳተፉ ከምዘለዉ፡ ምክትል ሓላፊት ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ እቲ ክልል፡ ሳባ ደመቀ ንቢቢሲ ተዛሪባ።

እቶም ዝተትሓዙ ጥርጡራት ናብ ቤት-ፍርዲ ቀሪቦም'ዶ፡ ክሲ'ኸ ተመስሪቱዎም ድዩ? ንዝብል ክትገልጽ ከምዘይትኽእል ዝሓበረት እታ ሓላፊት፤ "እቶም ዝተትሓዙ ኣብ ዝርዝር ዘለዉ እዮም" ኢላ።

ገለ ካብ ሰብመዚ ክልል ኣምሓራ ጥርጡራት ተባሂሎም ክሳብ ዝረጋጋእ ተባሂሉ ከምዝተኣሰሩ ተገሊጹ ምንባሩ ብዝምልከት ድማ "ክሳብ ዝረጋጋእ ብዝብል ኣይኮነን፤ ምስ መዝነቶም ብዝተኣሳሰር ወይ ድማ ብኻልእ መገዲ ተጠርጢሮም ንዝተትሓዙ ሰባት ዝሃብናዮ ዝተፈለየ ስም የለን" ኢላ።

እቶም ኣብ ቀይዲ ዝወዓሉ ሰባት ተሳትፎኦም እንታይ እዩ ነይሩ ዝብል፡ ኣብ ከይዲ ምርመራ ከምዝፍለጥ'ውን ሓቢራ።

ሕዚ ኣብ ቀይዲ ዘለዉ ጀኔራል ተፈራ ማሞን ኮለኔል ኣለበል ኣማረን፡ ነቲ 'ፈተነ ዕልዋ መንግስቲ' ኣመልኪቶም ብቴሌቪዥን መብርሂ ሂቦም ዝነበሩ እዮም። ብጀነራል ኣሳምነው ጽጌ ተዓጊቶም ነይሮም ካብ ዝተብሃሉ መራሕቲ ገሊኦም'ውን፡ ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ኣለዉ።

ብዛዕባ እዚ ክትምልስ እንከላ "እቲ ናብ ሚድያ ዘቕረቦም ኣካል ንዝተፈላለዩ ዕላማታት ከቅርቦም ይኽእል እዩ። እዞም ሰባት ነቲ ናይ ጸጥታ ሓይሊ ዝመርሕዎ ሰባት እዮም። ሽዑ ንሽዑ ዝተትሓዘ ሰብ ስለዘይነበረ ድማ ብዛዕባ እቲ ፍጻመ ኣብ [ሚድያ] ቀሪቦም ከረድኡ ይኽእሉ እዮም። እቲ ቀሪቦም ዘረድእሉ ዕላማ ግን፡ ምስቲ ንሕና ዝሓዝናዮ ጉዳይ ብዙሕ ዝራኸብ ኣይኮነን" ኢላ።

እታ ምክትል ሓላፊት ከምዝበለቶ፤ ዝኾነ ኣካል ጥርጡር ክሳብ ዝኾነ ኣብ ቀይዲ ክውዕል እዩ።

"ጽባሕ ድሕሪ ጽባሕ ከኣ፡ መግለጺ ንህብ ካብ ዘለና ሰባት ገሌና'ውን [ቤት ማእሰርቲ] ክንኣቱ ንኽእለሉ ዕድል ከምዘሎ ክንፈልጥ ይግባእ። ዝኾነ ውሕስና የለን" ኢላ።

ምስ'ዚ ብዝተኣሳሰር፡ ፖሊስ ኮሚሽንን ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ኮሚዩኒኬሽን ክልል ኣምሓራን ብዓርቢ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ ምስቲ ኣብ ባህር ዳር ዘጋጠመ ፍጻመ ብዝተኣሳሰር 218 ሰባት ከምዝተኣሰሩ ተገሊጹ እዩ።