ፔሩ፡ 600 ዓመታት ዝገበረ ድልድል ሳዕሪ

እቲ ድልድል ዘቋርጽ ሰብ

ምንጪ ስእሊ, Jordi Busque

Published

ኣብ ፔሩ ግዝኣት ኣፐሪማክ ሓደ ዓብዪ ሩባ ንከሳግር ብሃሪ ብዝተሰርሐ ድልድል ክትሓልፍ ግድን'ዩ። እዚ ድልድል ሳዕሪ፡ ንሓደ ዓመት ዘገልግል ኮይኑ፡ በብዓመቱ ብሓድሽ ገመድ ይትካእ'ሞ፡ እቲ ኣረጊት ኣብ ታሕቲ ይድርደር።

ድልድል 'ኬስዋቻካ' ብኢድ ብዝተተነገ ገመድ ሳዕሪ ዝስራሕን በብዓመቱ እናተተክአ ልዕሊ 600 ዓመታት ዘቑጸረን'ዩ።

መግለጺታት ስልጣነ ኢንካ ካብ ሞንጎ ዝኾኑ ከተማታት ምስታ ሓንቲ ዘራኽብ ድልድል ከም ዝኾነ እንትግለጽ፡ ኣብ 2013 ኣብ ዩኔስኮ ተመዝጊቡ።

እቲ ዝተፈተለ ገመድ ዝተሸከሙ ሰባት

ምንጪ ስእሊ, JORDI BUSQUE

ባህሊ ምህናጽ ድልድል ካብ ውሉድ ወለዶ እናተሳገረ መናእሰይ እቲ ኣረጊት ገመድ ብሓድሽ እናተክኡ፡ በብዓመቱ እቲ ድልድል ሓድሽ መንፈስን ጥንካረን ክህልዎ ይገብሩ።

እዚ ድማ ደቂ ተባዕትዮ ጥራሕ ክሰርሑዎ፡ ባህሊ ነበርቲ እቲ ከባቢ የገድድ። ደቂ ኣንስትዮ እቲ ገመድ እናተነጋ ኣብ ጫፍ እቲ ሩባ የቐምጠኦ።

እቲ ኣረጊት ድልድል እናወደቐ

ምንጪ ስእሊ, Jordi Busque

ነፍሲ ወከፍ ስድራ፡ በዓል ክልተ ፈትሊ ካብ ጥንኩር ገመድ ዝተተነገ ብናይቲ ከባቢ ኣጸዋውዓ 'ኮያ ኢቹ' ዝብሃል ገመድ ከበርክት ኣለዎ።

እቲ ድልድል ኣብ ዝስርሐሉአ እዋን፡ እናተኣሳሰረ ከየጸግም ኣቐዲሙ ማይ ይእዘኽ። ካብቶም ተሳተፍቲ ድማ፡ ገሊኦም እቶም ዝሰርሑ ከይጠምዩ ካብቲ ሩባ ዝተገፈፉ ዓሳ ብድንች ኣብሲሎም የቕርቡ።

እቲ ሓድሽ ድልድል ተሰሪሑ ምስተወድአ ድማ፡ እቲ ኣረጊት ተቖሪጹ ናብቲ ሩባ ይድርበ።

ካብቶም ሽዱሽተ ዓበይቲ ገመዳት እቶም ኣርባዕተ ሰብ ዝረግጾም ኮይኖም፡ እቶም ክልተ ድማ መደገፍን ሚዛንካ መሐለውን ኮይኖም ብጎኒ ከም ሓጹር ይስርሑ።

እቲ መደገፊ እንትስራሕ

ምንጪ ስእሊ, Jordi Busque

እቶም ገመዳት፡ ሚዛኖም ሓሊዮም ብኣግባቡ ተገቲሮም ከም ዘይብጠሱ ተገይሩ ኣብ ጫፍ እቲ ሩባ ብዓበይቲ ኣእማን ይእሰሩ።

እዚ ድልድል ንምስራሕ ዝኾነ ዓይነት ዘመናዊ መሳርሒ ኣየድልዮምን፤ ኣይጠቀሙን'ውን። እቲ ዘድሊ ክልተ ነገር ጥራሕ'ዩ። ሰብን ሳዕርን።

በብዓመቱ ወርሒ ሰነ ምስኣተወ፡ ኣብ ዘላ ካልአይቲ ሰንበት ህንጸት ድልድል 'ኬስዋቻካ' ኣርባዕተ መዓልቲ ይወስድ።

ተሃኒጹ ምስተወድአ፡ ውራይ ሙዚቃን መግብን ይዳሎ።